እስራኤል ተወሰኽቲ ኤርትራውያን ንምቕያድ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ከተስፍሖ ምዃና ተገሊጹ

እስራኤል ተወሰኽቲ ኤርትራውያን ንምቕያድ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ከተስፍሖ ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: 23 December 2015

Holt

እስራኤል፣ ንዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን እትቕይደሉ ቤት ማእሰርቲ ከተስፍሕ ምዃና ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ነገቭ ዝተደኮነ ሖሎት፣ 3 360 ስደተኛታት ክሕዝ ዝተሰርሕ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ክፉት ቤት ማእሰርቲ 3050 ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ተቐይዶም ኣለዉ።

ኣብዘን ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን ጥራይ እስራኤል ልዕሊ 500 ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ናብቲ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ጸንቢራ’ላ።

እስራኤል ሓተቲ ዑቕባ ናይ ምቕያድ መስርሕ ትቕጽሎ ብምህላዋ ቁጽሪ ናብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ዝውሰዱ ስደተኛታት ካብዚ ዘለዎ ክበዝሕ ምዃኑ ጸብጻብ መርበብ ሓበሬታ ሃረጽ የመልክት።

 

ሖሎት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ሓተቲ ዑቕባ ክሕዝ ስለዘይክእል መንግስቲ ቅልጡፍ ፍታሕ ከናዲ ዳይረክተር ናይቲ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ሮተም ፐለግ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ጥርዓን ኣቕሪቡ ከምዘሎ’ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እስራኤል ንሓተቲ ዑቕባ እትቕይደሉ ተወሳኺ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ክትሃንጽ ወይ ከኣ ንሖሎት 11 ሽሕ ስደተኛታት ንኽሕዝ ከተስፍሖ ከምእትኽእል’ውን እቲ ዳይረክተር ኣሚቱ።

ኣብ ሖሎት ዝተሓዙ ሓተቲ ዑቕባ፣ ካብ ሰዓት 10 ናይ ምሽት ክሳብ ሰዓት 6 ንግሆ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ክርከቡን ኣብ መዓልቲ ከኣ ሓደ ግዜ ቆጸራ ወይ ፎሌን ከምዝግበረሎም ይፍለጥ።

ካብዚ ወጻኢ ኣብ ደገ ዝተረኽበ ከኣ ናብቲ ዝጸንከረ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ይሰጋገር።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ዝርከቡ 880 እሱራት ብምሉኦም ሓተቲ ዑቕባ’ዮም።

ኣብ እስራኤል 35 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ክህልዉ እንከለዉ፣ እቶም 73 ሚእታዊት ኤርትራውያን’ዮም። እቶም 19 ሚእታዊት ዜጋታት ሱዳን ክኮኑ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ከኣ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ’ዮም።

ኣብዘን ዝሓለፋ 11 ኣዋርሕ፣ 2,900 ሓተቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ክወጹ እንከለዉ፣ በንጻሩ ከኣ ዳርጋ ኩሎም ዜጋታት ሱዳን ዝኾኑ 216 ሓተቲ ዑቕባ ናብታ ሃገር ኣትዮም።
==============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0