እስራኤል፣ ካብ ኤርትራውያን ብግዴታ ክቑረጽ ዝጸንሐ 20% ካብ ኣታዊታቶም ኣብ ሓደ ወርሒ ክምለሰሎም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወሲኑ

Radio Erena: 23 April 2020

መንግስቲ እስራኤል፣ ካብ ኤርትራውያን ብግዴታ ክቖርጾ ዝጸንሐ 20% ካብ ኣታዊታቶም፣ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክመልሰሎም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ምውሳኑ መርበባት ዜና እታ ሃ ኣቃሊሐን።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ሎሚ ሓሙስ 23 ሚያዝያ ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ መንግስቲ እስራኤል ንኣስታት ክልተ ዓመታት ካብ ኤርትራውያንን ካልኦት ዜጋታት ሓተቲ ዑቕባን ብግዴታ ክቖርጾ ዝጸንሐ ገለ ክፋል ካብ ኣታዊታቶም ዘይሕጋውን ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ገንዘቦም ክመልሰሎም ኣዘዚዙ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ነቶም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ እዋን ሓደጋ ውሕስነቶ ዝኾኖም ገንዘብ ክህክዎም ብዝብል ጉልባብ 20% ካብ ኣታዊታት ብግዴታ ተቖሪጽሉ ክቕመጦምን ካብታ ሃገር ጠቕሊሎም ጥራይ ክወጹ ምስ ዝውስኑ ከምዝምለሰሎም’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

ሓተቲ ዑቕባን ተጠባቕቲ መሰላትን፣ ነቲ ካብ ግንቦት 2017 ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ዝጸንሐ ውሳኔ መንግስቲ ብምቕዋም ኣብ ቤት ፍርዲ ክከራኸሩ’ዮም ጸኒሖም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድማ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ብይን፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ብግዴታ ዝተወስደ ውህሉል ገንዘብ ናይዞም ኣስታት 30 ሽሕ ዝግመቱ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንውያንን ኣብዘን ዝቕጽላ 30 መዓልታት ክምለሰሎም ወሲኑ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0