እስራኤል፣ ኤርትራ ምስ እትርከበን 15 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቴክኖሎጂ ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየደት ተሓቢሩ

Radio Erena: 26 September 2016

Israel Africa

እስራኤል ኤርትራ ምስ እትርከበን 15 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቴክኖሎጂ ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየደት እስራኤል ሃየኦም ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ብቀዳይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናትናያሁ ዝተመርሐ ኣኼባ 15 መራሕት ወከልትን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፣ እስራኤል፣ ነዘን ሃገራት ኣብ ኩሉ መዳይ ዝሕግዘን ቴክኖሎጂ ኣብ ምትእትታው ክትተሓባበረን ድልውቲ ምህላዋ ኣረጋጊጻ።

እቲ ጎኒ ጎኒ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፣ ብ25 መስከረም ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ርክብ እስራኤልን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ፕረዚደንታት ኡጋንዳን ሩዋንዳ ዝርከብዎም 8 መራሕቲ ክርከቡ እንከለዉ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ብሩንዲን ካሜሮንን ከኣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ላዕለዎት ወኪላተንን’የን ተሳቲፈን።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ምስ መራሕቲ ሃገራት’ቲ ዞባ ኣብ ኡጋንዳ ኣኼባ ከምዘካየደ ይዝከር።

እስራኤል፣ ዛጊት ዑቕባ ዘይሃበቶም መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣስታት 35 ሽሕ ስደተኛታት ኡጋንዳን ርዋንዳን ናብ ዝርከብአን ሃገራት ኣፍሪቃ ንምጥራዞምን፣ ኣምሳያኡ ከኣ ነዘን ሃገራት ዝተፈላለየ ሓገዛት ክትገብርን ሓያሎ ስምምዓት ከምዝገበረት’ዩ ዝንገረላ።

ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን’ውን ናብዘን ሃገራት ከምዘፋነወት ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝሳተፍ ዘሎ ብኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማነ ገብርኣብ ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ንእግረ መንገዱ ምስ ወከልቲ ሓያሎ ሃገራት ዝርርብ የካይድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

በዚ መሰረት እቲ ልኡኽ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ወኪል የመንን ብምርኻብ፣ ኣብቲ ኤርትራ እትገብሮ ዘላ ሓገዝ ብዝምልከት ከምዝተዘራረበ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ፣ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ምትእትታው ሃገራት ወሽመጥ፣ ናብታ ሃገር ዝቐንዐ ወትሃደራውን ሰብኣውን ሓገዝ ንምብጽጻሕ ንወደብ ዓሰብ ንሎጂስቲካዊ ኣገልግሎታት ትጥቐመሉ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝተመወለ፣ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣማኢት የመናውያን ከምዝስልጠኑ ይንገር።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0