እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሖሎት ዝቕየድሉ ግዜ ናብ ሓደ ዓመት ክወርድ እማመ ጸዲቑ

እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሖሎት ዝቕየድሉ ግዜ ናብ ሓደ ዓመት ክወርድ እማመ ጸዲቑ

Radio Erena: 26 January 2016

Holo

መንግስቲ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሖሎት ዝቐየድሉ ግዜ ናብ ሓደ ዓመት ክወርድ ንዝቐረበ እማመ ከምዘጽደቐ መርበብ ሓበሬታ ሃረጽ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ነቲ ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳ እታ ሃገር ኣርየ ደሪ ዝቐረበ እማመ ዘጽድቕ ዘሎ፣ ኣብ ሖልት ናይ ዝተሓዙ ሓተቲ ዑቕባ ግዜ 20 ኣዋርሕ፣ ግቡእ ኣይኮነን ብዝብል ብቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተደጋጋሚ ተቓውሞ ኣብ ዝገጥሞ ዘሎ እዋን’ዩ።

ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፣ ነቲ ሓተቲ ዑቕባ ንዓመትን ሸሞንተ ወርሒን ኣብ ሖሎት ክቕየዱ ዝብል ውሳኔ መንግስቲ ሰለስተ ሳዕ ከምዝተቓወሞን ይዝከር።

 

እቲ መንግስቲ ስደተኛታት ዝቕየድሉ ግዜ ከሕጽሮ እንተዘይክኢሉ ከኣ፣ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ጠቕሊሉ ክቕጾ ክእዝዝ ምዃኑ’ዩ ክሕብር ጸኒሑ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ምስ ሚኒስተር ፍትሒን ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገርን ብምዃን ብዘቕረብዎ እማመ ከኣ፣ ሓተቲ ዑቕባ ዝቕየድሉ ግዜ ናብ ሓደ ዓመት ክወርድ ትጽቢት ኣሎ።

እንተኾነ እዚ መንግስቲ እስራኤል በብእዋኑ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘውጽኦ ዘሎ እማመታትን ውሳኔታትን፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን።

ኣብ እስራኤል መብዛሕቶም ኤርትራውያንን ዜጋትት ሱዳንን ዝርከብዎም ኣስታት 35 ስሕ ሓተቲ ዑቕባ ከምዘለዉ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር የመልክት።

እቶም ኣስታት 3300 ካብዚኣቶም ኣብቲ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሖሎት ተታሒዞም ዘለው’ዮም።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0