እስራኤል፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምስጓጎም ስምምዓት ትኽትም

እስራኤል፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምስጓጎም ስምምዓት ትኽትም

Radio Erena: 26 October 2017

nathanyahመንግስቲ እስራኤል ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኒውዮርክ፣ ኣብ ዝተጋብአ መበል 72 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ምስጓግ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዘተኮረ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓያሎ ስምምዓት ከምዝኸተመ ተገሊጹ።

ብመንግስቲ እትውነን ጋዜጣ እስራኤል ሃዮም፣ “ቀይሕ ካርድ ንዘይሕጋውያን፣” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓምዲ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘስፈረቶ ሰፊሕ ትሕዝቶ፣ መንግስቲ ኢስራኤል ስድተኛታት ምስ ዝቕበላሉ ሃገራት ተፈራሪሙ ክትብል ኣረጋጊጻ።

 

 እቲ መንግስቲ፣ ንጠለብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምምላእ ን 15 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ዋላ’ውን ብዘይድሌቶም ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሰዶም ምዃኑ ይጠቅስ።

 ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብምትኳር ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ስምምዕ ከምዝኸተመ እኳ እንተተገልጸ፣ ብውገን እተን ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ዝተሓበረ ነገረ የለን።

መንግስቲ እስራኤል፣ ክገብሮ ብዝጸንሐ ተደጋጋሚ ጸቕጥታት ኣሽሓት ኤርትራውያን በብእዋኑ ናብ ኤርትራን ሩዋንዳን ንኽምለሱ ከምዝተገደዱ ይፍለጥ።

ኣብ እስራኤል ካብ ዝርከቡ ኣስታት 35 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ እቶም ልዕሊ 30 ሽሕ ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0