እስራኤል፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል መጽናዕቲ ንኸዳሉ፣ ምስ ሓደ ትካል ዝኣተወቶ ስምምዕ ትስርዝ

እስራኤል፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል መጽናዕቲ ንኸዳሉ፣ ምስ ሓደ ትካል ዝኣተወቶ ስምምዕ ትስርዝ

Radio Erena: 29 August 2017

Holot detention Center

መንግስቲ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል መጽናዕቲ ንኸዳሉ፣ ማእከል ፖሊሲ ስደተኛታት ምዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝኣተዎ ስምምዕ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ከምዝሰረዞ ማዕከን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ።

እቲ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ከምዘለዎ ዝተገልጸ ኣብ ፖሊሲ ኢምግሬሽን ዘድሃበ መጽናዕቲ ዘካይድ ትካል፣ ብዛዕባ ኤርትራ መጽናዕቲ ንኸካይድ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ምስ መንግስቲ እስራኤል ናይ ኣስታት 14 ሽሕ ዶላር ውዕል ምክያዱ ይዝከር።

እቲ ኤርትራዉን ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እምበር ናይ ፖለቲካ ኣይኮኑን እናበለ ዝማጎትን 20 ሚእታዊት ካብ ኣታዊታት ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ክቑረጽ ክድግፍ ዝጸንሐን ትካል ኣቐዲሙ፣ ነቲ ብዴንማርክን ብሪጣንያን ዝቐረበ፣ ኣብ ኤርትራ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ይርአ ‘ሎ ዝብል ጸብጻብ ከም መወከሲ ክጥቀመሉ ከምዝጸንሐ’ዩ ዝንቀፍ።

በዓል መዚ ኢምግሬሽን እስራኤል ነቲ ምስቲ ትካል ዝኣተዎ ውዕል ዘቋረጸሉ ምኽንያት ብንጹር ኣይተገልጸን።

ዴንማርክን ብሪጣንያን ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከጽንዑ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝልኣኽኦም ወኪላት፣ ኣብ ኤርትራ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ኣሎ ዝብል በብወገኖም ዘቕረብዎ ጸብጻባት ካብ ሓቂ ዝርሓቐን ዘይክውንነታውን’ዩ ተባሂሉ ብገዛእ መንግስታቶምን ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብን ከምእተነጽገ ኣይርሳዕን።

እዚ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መጽናዕቲ ካከይድ ተረቑሑ ዘሎ ኣንጻር ስደተኛታት መርገጺ ዘለዎ ናይ እስራኤል ትካል’ውን ሚዛናዊ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ ክብሉ ሆትላይን ዝርከቦም ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክነቕፉ ጸኒሖም’ዮም።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዘቕርብዎ ዘለዉ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዛጊት ኣይተቐበለን።

እቲ መንግስቲ በንጻሩ፣ ኣብ ልዕሊኦም ከቢድ ጸቕጥታት ብምፍጣር ካብ ሃገሩ ክወጹ’ዩ ዘገድዶም ዘሎ።
==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0