እስራኤል፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ክትዓጹ’ያ

እስራኤል፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ክትዓጹ’ያ

Radio Erena: 20 February 2018

Israel flag

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲኡ ክዓጹ ምዃኑ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፣ ኣስመራ ናብ ዝርከብ ኤምባሲኡ ኣብ ዝልኣኾ ወግዓዊ ደብዳቤ፣ ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ጉዳይ ባጀት ኣብ መጀመርያ 2019 ክዕጾ ተኽእሎ ካብ ዘለዎ ሸውዓተ ኤምባሲታት ሓደ ምዃኑ ሓቢርዎ ኣሎ።

እስራኤል ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ክትዓጹ ከምእትኽእል ትገልጽ ዘላ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሰንኪ ኣጋጢምዎ ዘሎ ዋሕዲ ባጀት ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ይገልጹ።

እንተኾነ፣ ምዕጻው እቲ ኤምባሲ፣ እስራኤል ምስ ኤርትራ ስትራቴጅያዊ ምሕዝነት ከምዘይጸንሓ ዘነጽር’ዩ ክብሉ ተንተንቲ የረድኡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ሕቡራት ኢማራትዓረብን ግብጽን ስልታዊ ዝምድንኡ ኣደልዲሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን እስራኤልን ብጉዳይ ምምላስ ስደተኛታት ዝካየድ ዝነበረ ዝርርባት፣ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ከምዝተዛዘመ’ውን ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብጉዳይ ምምላስ ኤርትራውያን ምምላስ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን እስራኤል ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ፣ እስራኤል ንነፍሲ ወከፍ እትመልሶ ዜጋ ኣስታት 50 ሽሕ ዶላር ንኤርትራ ክትከፍላ ከምዝሓተተ’ዩ ገሊጹ።

ንጽፍሒ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደርቢ ሒዝዎ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብጉዳይ ምምላስ ስደተኛታት ክሰማማዕ ብዘይምኽኣሉ፣ ኣተክሮኡ ናብ ርዋንዳ፣ ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራትን ዛዝዩ ይርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኣምባሳደራ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኣስመራ ብምስሓብ ድሕሪ ምድስካላ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ኤምባሲኣ ብፈጻሚ ጉዳያት ይመሓደር ከምዘሎ ይፍለጥ።

እስራኤል ብዘይካ’ቲ ናይ ኤርትራ፣ ኣብ ቤላሩስ፣ ዶሚኒካን ሪፖብሊክን ካልኦት ሸውዓተ ከተማታትን ዝጸንሓ ቆንስላት’ውን ክትዓጹ ምዃና ይጥቐስ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0