እስራኤል፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ክትጥርዝ ምዃና ይግለጽ ኣሎ

እስራኤል፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ክትጥርዝ ምዃና ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena : 01 April 2015

ErIS

እስራኤል፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ዓዶም ክትመልስ ከምእትኽእል ማዕከን ዜና ሃረጽ ገሊጹ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ብመሰረት እዚ ሓድሽ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን፣ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ሱዳናውያንን ብዘይድሌቶም ነናብ ሃገሮም ንምጥራዝ ከምዝክእል’ዩ ዘመልክቲ እቲ ጸብጻብ ናይቲ ማዕከን ዜና።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት፣ መንግስቲ እስራኤል ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዘይህቦም ኣብ ርእሲ ምርግጋጽ በንጻሩ ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ወይ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጎኑን ዝኾነ መሰል ድማ ከይረኹብን ክኽልክሎም’ዩ ጸኒሑ።

 

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክኽተሎ ብዝጸንሐ ኣካይዳ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ካብ ምድጓንን ብዘይ ዝኾነ መሰል ካብ ምጽናሕን ኣማኢት ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ነናብ ሃግሮም ክምለሱ ክውስኑ እንከለዉ፣ ካልኦት ኣማኢት ኤርትራውያን ግና ናብ ኢትዮጵያ፣ ሩዋንዳን ኡጋንዳን’ዮም ክምለሱ መሪጾም።

እቲ መንግስቲ፣ ስደተኛታት ብድሌቶም ነናብ ዓዶም ክምለሱ ዝብል ጎስጓስን ጻዕርን ክዕወት ከምዘይክኣለ ድሕሪ ምዕዛብ’ዩ ሓድሽ ፖሊሲ ብምሕንጻጽ ብግዴታ ነናብ ዓዶም ንምጥራዝ ዝውጥን ዘሎ።

ብመሰረት እዚ ካብ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ትማሊ ዝወጸ ሓበሬታ ዝኾነ ኣብ ከተማታት እስራኤልን ወይ ድማ ሖሎት ዝርከብ ስደተኛት፣ ናይ ዕቁባ መሕተቲ ፎርም ዘረከበን ፣ ኣብ መስርሕ ምርካብ ዘሎን ዘቕረቦ ጉዳይ ወይ ጥርዓን ተቀባልነት ዝረኸበን ክሳብ ዘይተነጸገን እዚ ናይ ምስጓግ መደብ ከምዘይምልከቶ’ውን ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ኤርትራውያን ይሕብሩ።

እንተኾነ እዚ ሓድሽ ውሳኔ ንኣሽሓት ኤርትራውያን ክጸሉ ምዃኑ’ውን የረድኡ።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ግዴታ ተጠሪዞም ንዝመጽዎ ዜጋታቱ ክቕበል ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ኣብ እስራኤል ብዝርከብ ኣምባሳደሩ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ እስራኤል ኣብዚ እዋን’ዚ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም 42 ሽሕ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ኣለዉ።

2 ሽሕ ካብዚኣቶም ድማ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ነገቭ ዝተደኮነ ቤት ማእሰርቲ ሖልት’ዮም ዝርከቡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውስጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ድማ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 5803 ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ካብ ብፍቓዶም ካብ እስራኤል ክወጹ እንከለዉ፣ እቶም 1093 ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝኸዱ’ዮም።

ሕጊ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ዝኾነ ሓታቲ ዑቕባ ጉዳዩ ከይተጻረየ ናብ ሃገሩ ክምለስ ዝፈቕድ እኳ እንተዘይኮነ፣ እስራኤል ግና ናብታ ሃገር ንዝኣተዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ከም ሓተቲ ዑቕባ ከምዘይትፈልጦም’ያ ትገልጽ።

==================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0