እስራኤል፣ ንስደተኛታት ሞያዊ ስልጠና ክትህብ ምዃና ይግለጽ

እስራኤል፣ ንስደተኛታት ሞያዊ ስልጠና ክትህብ ምዃና ይግለጽ

Radio Erena: 23 June, 2014

Isrea EDu

መንግስቲ እስራኤል፣ ንስደተኛታት ሓድሽ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክህብ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣኦቭ ኣብ ዝልኣኾ ጸብጻብ፣ ሚኒስተሪ ትምህርቲ እስራኤል ኣብ ከባቢ ባርሸባ -ኒጻና ኣብ ዝርከብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ፣ ንኣፍሪቃውን ስደተኛታት ናይ ሞያ ትምህርቲ ክህብ’ዩ።

እዚ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንመጀመርታ ግዜኡ ዝወሃብ ዘሎ ኮይኑ ንኣብ እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝነበሮምን ካልኦት ልዕሊ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ዝዕድሚም መንእሰያት ዘፍቅድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብዲፕሎማ ከም ዘመርቕ ድማ ይገልጽ።

 

እዚ ናይ ትምህርቲ መደብ ን2 ዓመት ዝወሃብ ኮይኑ ናይዚ ዕድል እዚ ተጠቀምቲ ንዝኾኑ መንእሰያት ድማ፡ ኣብ ሰሙን 3 ግዜ እንዳተመሃሩ እቲ ዝተረፈ ግዜኦም ኣብቲ ከባቢ ናይ ስራሕ ዕድል ክኽፈተሎም ምዃኑ እቲ ሚኒስትሪ ይገልጽ።

እታ ኣብ ኮምፑተር፣ ቋንቋ እንግሊዝ፣ ጂምናዝዮምን ትምህርቲ ምድላውን መግብን ንስደተኛታት ስለጠና ክትህብ ምዃና እትግለጸ ዘላ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ መግቢ፡ መደቀስን ናይ ጥዕና ኣገልግሎትን’ቶም ተመሃሮ ብነጻ ከምተማልእ’ውን እቲ ካብ እስራኤል ዝተላእከና ጸብጻብ ይተቕስ።

እዚ ሚኒስትሪ ትምህርቲ እስራኤል ንስደተኛታት ዝህቦ ዕድል፡ ኣብዛ ቤት ትምህርቲ ንዝሰልጠኑ መንእሰያት ብሚኒስትሪ ውሽጣዊ ገዳያት ንዘጋጥሞም ዘሎ ናይ ቪዛ ጸገማት ክፈትሓሎምን ናይ ፖለቲካዊ ዑቕባ መሰሎም ድማ ዳግመ ግምት ክግበረሉን ክሕግዞም ይኽእል’ዩ ዝብል ግምታት ይወሃቦ።

ኤርትራውያን ናይ’ዚ ዕድል እዚ ተጠቐምቲ ክኾኑ’ውን ትጽቢት ኣሎ።

እስራኤል ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕርሻ ዘተኮረ ስልጠናታት እንተሂባቶም፣ ኣብ ናይ ሕርሻ ስራሕ ንምውፋሮም ሓንቲ ስማ ዘይተጠቕሰት ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትቕበሎም ፍቓደኛ ምዃና ንመንግስቲ ኣስራኤል ምግላጻ ማዕከን ዜና ሃረጸ ኣቐዲሙ ምግላጹ ዝፍለጥ’ዩ።

ባይቶ እስራኤል ክነሰት ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ገንዘብ ከየሰጋግርሩ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዘጽደቐ ኣይርሳዕን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0