ኤርትራ ዝመበቖሉ፣ ወናኒ ትካል ለይታዊ ትልሂት ኣብ ኣትላንታ ብጥይት ተቐቲሉ

Radio Erena: 10 February 2023

ኣብ ኣመሪካ፣ ኣትላንታ ዝርከብ፣ ‘ሪፖብሊክ ላውንጅ’ ዝተሰምየ፣ ህቡብ ትካል ለይታዊ ትልሂት ዝውንን ሚኪአል ጊዶወን፣ ብጥይት ተቐቲሉ።

ቅድሚ 35 ዓመታት ምስ ሓዉ ካብ ኤርትራ ናብ ኣመሪካ ዝተሰደደ ሚኪኤል፣ ዝበዝሐ ህወይቱ ኣብ ምትእንጋድ ከም ለይታዊ ትልሂትቲ ዝኣምሰለ ንግዳዊ ንጥፈታት ከምዘሕለፎ ጸብጻብ ፎክስ ኒውስ ሓቢሩ።

ወዲ 50 ዓመት ሚኪኤል፣ ኣብ ዝውንኖ ዝነበረ ዕውት ትካል ለይታዊ ትልሂት፣ ህቡባት ኣመሪካውን ናይ ራፕን ሂፕሆፕን ደረፍቲ የዘውትርዎ ምንባሩ እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

ንሱ፣ ብቀዳም 04 ለካቲት፣ ኣብ ኣፍደገ ትካሉ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ህይወቱ ከምዝሓለፈ ዝሓበረ ፖሊስ ኣትላንታ፣ ጥርጡራት ይሃድን ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ብዓል ሓዳርን ኣቦ 4 ውሉዳትን ምንባሩ ዝተጠቕሰ ሚኪኤል፣ ሓደ ካብ ዕዉታትን ኣብነታውያንን ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኣትላንታ ምንባሩ ይግለጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኤርትራዊት ነባሪት ሽወደን፣ ኣብ ሓሙሻይ ደረቢ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ ጸዲፋ ከምዝሞተት፣ ጋዜጣ ኤክስፕረስን ኣብ ናይ ባሕቲ ለካቲት ሕታማ ኣስፊራ።

ነታ መንእሰይ፣ ደፊኡ ኣጽዱፉዋ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝተጠርጠረ ወዲ 29 ዓመት መጻምድታ ኣብ ቀይዲ ከምዝርከብ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ጥርጡር፣ ኣብ 2017፣ ብፈተነ ዓመጽ ደቂሳ ዝነበረት መንእሰያት ተኸሲሱ ምንባሩ እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ኣዘኻኺራ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0