ኤርትራ እትርከበን 8 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ ዘኽእለን ሓድሽ ተበግሶ ኣጽዲቐን

ኤርትራ እትርከበን 8 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ ዘኽእለን ሓድሽ ተበግሶ ኣጽዲቐን

Radio Erena: 06 June 2016

Afr

ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ቱኒዝያን ግብጽን ዝተወከሉ ሚኒስተራት ኣብ ከተማ ሸርም ሸኽ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተጋብእሉ፣ ነዘን ሃገራት ብኸቢድ ጸልዩወን ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ፍኑው ዋሕዝን ስደተኛታት ንምግታኡ ብደረጃ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓባራዊ ተበግሶ ክውሰድ ዝጠልብ’ዩ።

እተን ሃገራት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ናይ ሓባራ ኮሚቴ ከቑማን፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘተኩር መርበብ ሓበሬታ ከቑማን’ውን ተሰማምዐን ኣለዋ።

እታ ኮሚተ ብምውህሃድ ብኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ክትእለ’ውን እማመ ቀሪቡ ኣሎ።

 

ብዛዕባ እዚ እዚ ነዘን ሃገራት ብከቢድ ጸልዩ ዘሎ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ተወሳኺ ዝርርብ ንምክያድ ኣብ ዝቀረባ እዋን መራሕቲ እተን ሃገራት ዝሳተፍዎ ኣኼባ ክካየድ’ውን ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝሓለኑ 188 ስደተኛታት ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እቶም ብ4 ሰነ ኣብ ክልተ ጉጅለታት ዝተታሕዙ ስደተኛታት መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳንን ሶማልን ኮይኖም 13 ግብጻውያን’ውን ከምዝርከብዎም ጋዜጣ ኣልኣሕራም ገሊጻ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0