ኤርትራ እትርከበን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት፣ ሓደጋ ባልዕ ኣንጸላልዩወን

ኤርትራ እትርከበን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት፣ ሓደጋ ባልዕ ኣንጸላልዩወን

Radio Erena: 17 February 2019

ኤርትራ እትርከበን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት፣ ሓደጋ ጸረ ዘራእቲ ባልዕ ኣንጸላልዩወን ከምዘሎ ተገሊጹ።

ውድብ መግብን ሕርሻን ማለት ፋኦ ብዕለት 16 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ካብ ሱዳንን ኤርትራን ዝተበገሰ ዕስለ ኣንበጣ ንሰሜን ክሳብ ግብጺ፣ ንምብራቕ ከኣ ክሳብ ስዑዲ ዓረብ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሓላፊ ክፍሊ ምቁጽጻር ጸረባልዕ ኣብ ፋኦ ከይዝ ክረስማን ብወገኑ፣ እቲ ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ዝሃረመ ማይ ነቲ ዕስለ ክራባሕ ጥጡሕ ባይታ ከምዝፈጠረሉ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብዘን ዝስዕባ ሰለስተ ኣዋርሕ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱሉ፣ ክሳብ ህንድን ፓኪስታንን ከምዝዝርጋሕ ኣተሓሳሲቡ።

ከይዝ ክረስማን ብተወሳኺ፣ እቲ ዕስለ ነቲ ቀንዲ መራብሒኡ ገይሩዎ ዘሎ ከባቢታት ኤርትራ፣ ሱዳንን ወሽመጥ ዓረብን ዓቢ ቆላሕታ ክወሃቦ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ተራእዩ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ሓደ እዋን ን35 ሽሕ ህዝቢ ክቕልብ ዝኽእል ዘራእቲ ብሓንሳብ ስለዘጥፍእ፣ ዓቢ ናይ እኽልን ውሕስነት መግብን ስግኣት ምዃኑ ይንገረሉ።

ብመሰረት መግለጺ ፋኦ፣ ከምዚ ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ተራእዩ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ኣፍሪቃ ብ2003 ከምኡ’ውን 2005 ኣብ ዝተራእየሉ፣ 29 ሚልዮን ሄክታር ዘራእቲ ብምብራስ ናይ 750 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ኣስዒቡ’ዩ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0