ኤርትራ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ከቢድ ናይ ፋይናንስያዊ ዕዳ ሓደጋ የንጸላልወን

ኤርትራ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ከቢድ ናይ ፋይናንስያዊ ዕዳ ሓደጋ የንጸላልወን

Radio Erena: 13 May 2018

imf on eriኤርትራ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ከቢድ ናይ ፋይናንስያዊ ዕዳ ሓደጋ የንጸላልወን ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ማለት ኣይ.ኤም.ኤፍ. ኣብ ናይ 2018 ጸብጻቡ ኣስፊሩዎ ብዘሎ መሰረት፣ እዘን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዋሕዲ ሰደድን ምንቁልቋል ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶትን ቁጠብአን ብከቢድ ተጸልዩ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ፓፓ ንዲያየ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብሓፈሽኡ ክረአ እንከሎ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ቁጠብአን ብ 3.5 ሚእታዊት ክብ እኳ እንተበለ፣ ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ከምዘይኮነ ግና ኣሚቱ።

ንሱ ብተወሳኺ ኤርትራ፣ ጫድ፣ ሞዛምቢክ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ደቡብ ሱዳንን ዚምባብወን፣ ብከቢድ ናይ ቁጠባ ቅልውላው ተሃስየን ከምዘለዋ፣ ካልኦት ትሽዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ከኣ ብዕዳ ተጎቢአን ከምዘለዋ ኣመልኪቱ።

ከምዝዝከር ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፣ ኤርትራ ኣባል ናጻ ንግዲ ዞባ ኣፍሪቃ ንምዃን ነጺጋቶ እያ። ኣብቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝተኻየደ ዋዕላ ቁጠባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ 44 ሃገራት ነቲ ኣፈናዊ ስምምዕ ናጻ ዕዳጋ ፈሪመናሉ’የን።

ኤርትራ፣ ናሚብያ፣ ዛምቢያ ዝርከብአን 11 ሃገራት ኣፍሪቃ ግና፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ነቲ ልዕሊ 2 ትሪልዮን ዶላር ዝግመት ናጻ ምንቅስቓስ ንግዲ ተሓሲመናኦ እየን።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0