ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት፣ 200 ሚልዮን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ደቂንስትዮን ይኽንሸባ

Radio Erena: 25 November 2019

ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝወርድ ወጽዓ፣ ዓመጽ፣ ጎነጽን ጾታዊ ኣድልዎን፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት በብዓመቱ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ’ዩ ዘመልክት ዝተፈላለየ ጸብጻባት ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት ደቂንስትዮ።

25 ሕዳር፣ ኣብ ልዕሊ’ዘን፣ ኣስታት ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዝቁጽረን ደቂንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ፣ ዓመጽ፣ ጎነጽን ጾታዊ ኣድልዎን፣ ከብቅዕ እተዘኻኽር ኣህጉራዊ ዕለት’ያ።

ብምኽንያት እዛ ዕለት፣ ኣብ ፓሪስ ኣማኢት ኣሽሓት ደቂንስትዮን ደገፍተንን ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እዚ ብቀዳም 23 ሕዳር ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ፣ መንግስቲ ውሕስነትን መሰልን ደቂንስትዮ ንምሕላው እኹል ጻዕሪ ከምዘይገበረ ዝነቕፍ’ዩ።

መጽናዕታዊ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ፣ ብደረጃ ዓለም 1 ካብ 3 ደቂንስትዮ፣ ብውሕዱ ሓንሳእ ኣብ ምሉእ ዕድሚኣ ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ጎነጽ ይበጽሓ። መብዛሕትኡ እዋን፣ ብመጻምድቲ።

ብደረጃ ዓለም 750 ሚልዮን ደኢቅንስትዮ 18 ዓመት ቅድሚ ምእካለን ይምርዓዋ።

200 ሚልዮን ህጻናትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝርከብአን ደቂንስትዮ ይኽንሸባ።

ብደረጃ ዓለም፣ 71% ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ፣ ደቂንስትዮ’የን። ብዙሓት ካብኣትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

COMMENTS

WORDPRESS: 0