ኤርትራ ንወተሃደራዊ መዓላ እተውጽኦ ገንዘብ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳሞት 10 ትስራዕ

ኤርትራ ንወተሃደራዊ መዓላ እተውጽኦ ገንዘብ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳሞት 10 ትስራዕ

Radio Erena: 06 May 2018

eri airforceኤርትራ ንወተሃደራዊ መዓላ እተውጽኦ ገንዘብ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ገና ኣብ ቀዳሞት 10 ተሰሪዓ ከምዘላ ተገሊጹ።

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል መጽናዕቲ ሰላም፣ ዓመታዊ ጸብጻቡ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ ብ4 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ንወተሃደራዊ መዓላ ዝወጽእ ባጀት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወሪዱ’ኳ እንተሎ፣ ናብ ንቡር ኣህጉራዊ ደረጃ ንምውራድ ግና ብዙሕ ተሪፉዎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ቀንዲ ምጉዳል ባጀት ንወተሃደራዊ መዓላ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ንደቡብ ሱዳንን ኣንጎላን ክረአ እንከሎ፣ ብቐጥታ ምስ ምጉዳል ዋጋታት ነዳዲ ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ንዋት ንምሽማት ዝስልዖኦ ባጀት ዓመታዊ ልዕሊ 38 ቢልዮን ዶላር ይግመት። እዚ ኣሃዝ’ዚ ምስ ናይ ዝሓለፈ 10 ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ገና ብ48 ሚእታዊት ክብ ኢሉ ከምዘሎ ይግለጽ።

ብመሰረት’ዚ ኣህጉራዊ ትካል ዘቕረቦ መጽናዕቲ፣ ኤርትራ፣ ንኣልጀሪያ፣ ሊብያ፣ ሞሮኮ፣ ኣንጎላ፣ ማከላይ ኣፍሪቃ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኣይቮሪ ኮስትን ተኸቲላ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መበል ሻሙናይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።

ብደረጃ ኣህጉር፣ ሓንቲ ሃገር ካብ ሓፈሻዊ እቶታ 2.2 ሚእታዊት ንወተሃደራዊ መዓላ ተውጽእ። እዘን ኤርትራ እትርከበን ዓሰርተ ሃገራት ኣፍሪቃ ብገምጋም ልዕሊ 3 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶተን ወተሃደራዊ ንዋት ንምግዛእ ዘጥፍኣ እየን።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0