ኤርትራ ንመጥቃዕቲ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢራን ኮኒና፣ ኩዌት ኣምባሳደራ ካብ ኢራን ስሒባ

ኤርትራ ንመጥቃዕቲ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢራን ኮኒና፣ ኩዌት ኣምባሳደራ ካብ ኢራን ስሒባ

Radio Erena: 06 January 2016

Ira

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ እስላማዊ ኪዳን፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝጀመሮ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ፣ ኩዌት’ውን ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና በቲኻ።

ኣባል እቲ እስላማዊ ኪዳን ዝኾነት ኤርትራ ከኣ ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ፣ ንመጥቃዕቲ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢራን ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኣ። 

ስዑዲ ዓረብ ንሃይማኖታዊ መራሒ ሺዓ ድሕሪ ምቕታላ ዝጀመረ ዲፕሎማስያዊ ምፍጣጥ ሃገራት ዓረብን ኢራንን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝልዓለ ጥርዙ በጺሑ ይርከብ።

 

ኢራናውያን ተኸተልቲ እምነት ሺዓ ኣብ ከተማ ቴህራን ንዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምጥቕዖም፣ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኢራን ዝነበራ ዝሕቱል ዝምድና ብኡ ንብኡ ክትበትኽ እንከላ፣ ኣባላት እቲ ንሳ ዘቖመቶ ኪዳን ዝኾና ሱዳን፣ ባሕሬንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ’ውን ኣሰር ስዑዲ ዓረብ ብምስዓቕ ብቕጽበት ንኣምባሳደራት ኢራን ካብ ሃገርን ሰጕገን።

እዚ ኣባላት እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዝኾና ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝውሰድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ፣ እቲ ኪዳን ብመሰረት ንኢራንን ኣብ የመን ዝርከቡ ኣመንቲ ሺዓን ዒልላማ ንምግባር ዝቖመ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኢራን ኣቐዲማ ምስ ኤርትራን ሱዳንን ዝምድናታት ጀሚራ እኳ እንተነበረት፣ እዘን ክልተ ሃገራት ኣባላት እዚ ኪዳን ምዃነን ነቲ ምስታ ሃገር ዝነበረን ዝምድና ኣደስኪልዎ ይርከብ።

ሱዳን ምስ ኢራን ዝነበራ ዝምድና ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ደው ከምዘበለት ክትሕብር እንከላ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ ነቲ ኣብ ቴህራን ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ኤምባሲ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒኑ።

ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ መብዛሕቶም ኣመንቲ ምስልምና ሰዓብቲ ሱና እኳ እንተኾኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣባል ኪዳን’ዚ ብእምነት ሱና ዝምርሓ ሃገራት ዓረብ ዝኾነሉ ምኽንያት፣ ኣብ ልዕሊ ኢራንን ኣመንቲ ሺዓ ናይ የመንን ንዝውሰድ ስጉምቲ ብሃይማኖታዊ ዓይኒ ወይ ከኣ ብስትራቴጂያዊ ረብሓ ደጊፍዎ ዘይኮነ ፣ ካብቲ ካብ ሃገራት ዓረብ ክረኽቦ ዝኽእል ግዝያዊ ሓገዝ ጥራት’ዩ ኣቋሚቱ።

ኣባል’ቲ እስላማዊ ኪዳን ዝኾነት ጅቡቲ’ውን ብዛዕባ’ዚ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተጀሚሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

ስዑዲ ዝመራሒተን ሃገራት ዓረብ ዝበዝሑ ዜጋታተን ኣመንቲ ሱና ክኾኑ እንከለዉ፣ 78 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢራን ከኣ እቲ 90 ሚእታዊ ኣማኒ ሺዓ’ዩ።

እዚ ሕጂ ብስዑዲ ዓረብ ቆይሙ ዘሎ ኪዳን ከኣ፣ ንሓድሕደን ውሽጣዊ ሓርፋፍ ዝምድና ብዘለወን ሃገራት ዝቖመ ስልታዊ ብምዃኑ ነዊሕ ከይቐጸለ ክክክፈርስ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ኤርትራን ሱዳንን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝነበረን ዝምድና ንኣብነት ንኣስታት 10 ዓመታት ኣብ ዝተሓተተ ደረጅኡ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ድሕሪ’ዚ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ኣንጻር ኣመንቲ ሺዓ ጀሚራቶ ዘላ መጥቃዕቲ ግና፣ መራሕቲ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ውስጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብታ ሃገር ከክልተ ግዜ ዑደት ምክያዶም ይዝከር።

=================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0