ኤርትራ ብብዝሒ ኣሲራቶም ዘላ ጋዜጠኛታት ድሕሪ ቻይና ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ

Radio Erena: December 19, 2013

ኤርትራ ኣሲራቶም ብዘላ ብዝሒ ጋዜጠኛታት ድሕሪ ቻይና ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከምእትስራዕ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ናይ 2013 ጸብጻብ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ጸብጻቡ፣ ኣብዛ እትዛዘም ዘላ ዓመት ብደረጃ ዓለም 826 ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ ብምጥቓስ፣ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ቻይና 30 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፣ 4 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ ድማ 28 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

 

ኤርትራ ነቶም 11 ጋዜጠኛታት ካብ 2011 ኣትሒዛ ን12 ዓመታት ብዘይፍርዲ ቀይዳቶም ከምዘላ ዝጠቐሰ እቲ ትካል፣ ሸውዓተ ካብኣቶም ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ህይወቶም ከምዝሓለፈን እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ድማ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከምዝርከቡ ኣመልኪቱ።

ንኤርትራ ስዒበን ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ቀይደን ዝርከባ ሃገራት ድማ ቱርኪ፣ ኢራንን ሶርያን’የን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓበሬታ ብምዕፋን’ውን ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ’ዩ ዝርከብ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ናይ 2013 ጸብጻቡ ብዘይካ’ዚ ኣብ ከም ሶርያን ሶማልን ዝኣመሰላ ንጋዜጠኛታት ሓደገኛ ዝኾና ሃገራት’ውን ብዝሒ 10ታት ጋዜጠኛታት ከምዝተቐትሉ ኣረዲኡ።

ኣብዛ እትዛዘም ዘላ ዓመት ብደረጃ ዓለም 71 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም ኣለዉ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0