ኤርትራ ብስርዓተ ደሞክራሲ ናይ ዝበኣሰ፡ ዝበኣሰት ደረጃ ሒዛ

Radio Erena: 12 March 2023

ፍሪዶም ሃውስ ዝተባህለ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ናይ 2023 ጸብጻቡ ኤርትራ ኣብ መዳይ ዴሞክራሲ፡ ካብተን ዝኸፍኣ ዝበኣሰት ዝብል ደረጃ ከምዝሓዘት ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ዝምስረት መበል 50 ዓመቱ ዘኽበረ ትካል፡ ኣብ 2022 ብደረጃ ዓለም መሰላት ዴሞክራሲ ከም ዘንቆልቆለ ሓቢሩ።

ኖርወይ፡ ፊልንላንድን ሽወደንን እተን ቀዳማይ ዝያዳ ነጻነት ዘለወን ሃገራት ክበሃላ እንከለዋ፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶርያ፡ ሰሜን ኮርያን ቱርከመኒስታንን ድማ ነቲ ናይ ዝኸፍአ ዴሞክራሲ ዘለወን ሃገራት ተርታ ብተኸታታሊ ዓመታት ብሒተንኦ ኣለዋ።

ኣብቲ ጸብጻብ ብደረጃ ዓለም 43 ሚእታዊት ዴሞክራሲያዊ ነጻነት ዘለወን ሃገራት ክኾና እንከለዋ፡ 28 ሚእታዊት ሓውሲ ነጻ 29 ሚእታዊት ድማ ናጽነት ኣልቦ ሃገራት ምዃነን ተጠቒሱ።

ኤርትራ ብደቡብ ሱዳን፡ ሶርያን ቱርከመኒስታንን ጥራይ ተመሪሓ፡ ብሰለስተ ነጥቢ ምስ ሰሜን ኮርያ ተመዓራርያ ኣብ ድሕሪት ተቐሚጣ`ላ።

ን 32 ዓመታት ኣብ ዝቐጸለ መሪሕነት ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ናይ ሓጋጊ፣ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ስልጣን በይኑ ብሒቱ፡ ብዘይ ህላወ ተቓወምቲ ውድባትን ባይቶን፣ ንኤርትራ ክመርሕ ጸኒሑ ክብል እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ብዘይካ`ዚ ኤርትራ፡ ነጻ ምርጫ ዘይካየደላ፡ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዘይብላ፡ ሰባት ብፖለቲካውን ሃይማኖታውን እምነቶም ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ከምዚ ክትገብር ሓሲብካ እናተባህሉ፡ ብዘይ ሕግን ፍርዳዊ መስርሕን ዝእሰሩላ ሃገር ኮይና፡ ን 21 ዓመታት ብዘይ ባይቶ ዝተመርሐት፡ ን 5 ዓመታት ብዘይ ኣኼባ ካቢነ ሚንስተራት፡ ብእንኮ ድሌት፡ ፍጹም ስልጣንን ምልክን ፕረዚደንት ኢሳያስ እትምራሕ ሃገር`ያ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ጸብጻባት፡ ስም ኤርትራ ምስ ዝኸፍአ ደረጃ ዝሓዛ ዝለዓልን፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣብ ዝደሓረ ተርታ ተሰሪዓ፡ ምስ ሶርያን ሰሜን ኮርያን ኣብ ናይ መን ይድሕር ዝብል ምትህልላኽ ዘላ ከም እትመስልን ይፍለጥ።

=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0