ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ መበል 11 ዙር ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ

ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ መበል 11 ዙር ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ

Radio Erena: 26 January 2016

Ami

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ተስፎም ዑቕባማርያም ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ጋቦን- ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ።

ኣብቲ ሸውዓተ መድረኻት ዝነበሮን 777 ኪሎሜተር ዝሓቖፈን፣ ካብ 18 ክሳብ 24 ጥሪ ዝተኻየደ መበል 11 መበል 11 ዙር ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፣ ኣባል ክለብ ዳይረክት ኤነርጂ ዝኾነ ፈረንሳዊ ኣድሪያን ፐቲ’ዩ ብውህሉል ነጥቢ ቀዳማይ ተዓዋቲ ኮይኑ።

ኣብዚ ንሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ካብ ዝተፈላለ ሃገራት ዓለም ዝመጻ 14 ጋንታታት ዝተሳተፍኦ ዙር ቅድድም ብሽክለታ፣ ኤርትራ ብጋንታ ኣብ ራብዓይ ተርታ ክትስራዕ እንከላ ካብ ኣፍሪቃ ግና እታ ዝበለጸት ምዃና ኣረጋጊጻ።

 

ኣብዚ ውድድር፣ ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ኣሮን ደብረጽዮን ሓደ ካብ ብሉጻት ናይ ዓቐብ ተቐዳደምቲ ክኸውን በቂዑ።

ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ መበል 11 ዙር ትሮፒካል ኣሚሶ ቦንጎ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፣- ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ሚኪኤል ሃብቶም፡ ኤልያስ ኣፈወርቂ፡ ኣሮን ደብረጼን፡ ሚልዮን ኣማኑኤልን ዮናታን ሃይሉን’ዮም።

ሜሮን ተሾመ’ውን ንጀርመናዊት ክለብ ባይክ ኤይክ ብምውካል ኣብዚ ዙር ኣሚሳ ቦንጎ ዝተሳተፈ ኤርትራዊ’ዩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0