ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝበኣሰ ኩነታት ናጽነት ፕረስ ዘለወን ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም ምዃና Freedom House ገሊጹ

Radio Erena: 18 November 2016

Freedomhouse

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝበኣሰ ኩነታት ናጽነት ፕረስ ዘለወን ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም ምዃና Freedom House ኣብ ዝዘርግሖ ናይ 2016 ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝምወል ትካል Freedom House ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ ናጽነት ፕረስ ዝርከባ ሃገራት ኢሉ ኣብ መወዳእታ ሰሪዑወን ዘሎ ኤርትራ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ቱርኪመንስታን፣ ኡዝበኪስታንን ክሪምያን’የን።

ስዑዲ ዓረብ፣ ቤላሩስ፣ ኢራን፣’ ዚምባብዌ፣ ቻይና፣ ሶርያ፣ ባንግላድሽን ኣዘርባዥያንን ከኣ ነዘን ሓሙሽተ ሃገራት ስዒበን ሕማቕ ኩነታት ናጻ ፕረስ ዘለወን ሃገራት ተባሂለን ኣለዋ።

እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ትካል ብዘይካ’ዚ፣ ቻይና፣ ኢራን፣ ሶርያ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኢትዮጵያ፣ ቬትናም፣ ኩባ፣ ኡዝበኪስታን፣ ባሕሬይንን ፓኪስታንን ኣብ ናጽነት ኢንተርነት ዝተሓተ ነጥቢ ዘመዝገባ ሃገራት ክብል ረቝሑወን ኣሎ።

ከም ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዝኣመሰላ፣ ኣብ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ናጽነት ፕረስ ዝርከባ ሃገራት ኣብዚ ናይ ናጽነት ኢንተርነት መምዘኒ ኣይኣተዋን።

ኤርትራ፣ ካብ 186 ሃገራት፣ ንኣስታት 10 ተኸታታሊ ዓመታት ብናጽነት ፕረስ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ከምእትርከብ ጸብጻብ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ የመልክት።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0