ኤርትራ፣ 5 ሬክቴር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ

Radio Erena: Thursday, 13 September 2023

ኣብ ኤርትራ፣ 5 ሬክቴር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ኣህጉራውያን ትካላት መጽናዕቲ ስነ ምድሪ ሓቢረን።

እቲ ትማሊ 13 መስከረም፣ ሰዓት 8:50 ናይ ምሸት ዘጋጠመ ምንቅጥቃት ምድሪ፣ ካብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ 39 ኪሊሜተር ንደቡብ፣ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ዝተበገሰ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፣ ኣብ ሓያሎ ክፋል ኤርትራ ተሰሚዑ ክኸውን ከምዝኽእል ዝጠቐሳ ዓትነ ትካላት፣ ኣብ ሰብ ይኹን ንብረት ብዛዕባ ዘብጽሖ ጉድኣት ግና ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለ ኣነጺረን።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ዳህሳስ ጥራይ’ዩ ክፍለጥ ዝኽእል ዝበላ እተን ትካላት፣ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከቢድ ጉድኣት ከውርድ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ግና ከምዘይብለን ኣሚተን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን፣ ኣብ ኤርትራ 5.6 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ይዝከር።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ተደጋጋሚ ምንቅጥቃት ምድሪ ይኽሰት እኳ እንተሎ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ግና ዕንወት ኣየውረደን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0