ኤርትራ፣ ድሕሪ ልዕሊ 10 ዓመታት ንመጀመርያ እዋና ዝተሳተፈቶ ዋዕላ ኢጋድ፣ ኣብ ጂቡቲ ተኻይዱ

Radio Erena: Monday, 12 June 2023

መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ሰላምን ድሕነትን እቲ ዞባ ዘተኮረ ዋዕላ፣ ኣብ ጂቡቲ ኣካይዶም።

ኣብቲ ብ12 ሰነ ዝተኻየደ፣ መበል 14 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ወይ ናይ መንግስታት በዓል ስልጣን ንልምዓት፣ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኩነታት ሰላምን ድሕነትን ብምግምጋም፣ ኣብ ሓድሽ ንድፊ ንምዕባለ ብምትኳር ዘትዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ መንጎ ሓድሕደን ምትሕግጋዝን ሽክርናን ከዕዝዛ፣ ዝተወሃሃደ ናይ ልምዓት መደባት ክሕንጽጻን ንሰላም ርግኣትን እቲ ዞባ ብሓባር ክጽዕታ ተረዳዲኤን።

ኣብቲ ዋዕላ ሓሙሽተ ካብ ሸሞንተ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ማለት መራሕቲ ጂቡቲ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ብኣካል ክራኸቡ እንከለዉ፣ ካብ 2011 ኣትሒዛ ኣባልነታ ኣደስኪላ ዝጸንሐት ኤርትራ፣ ኣብ ኵናት እትርከብ ሱዳንን መራሒኣ ብኮቪድ 19 ተለኺፉ ዘሎ ኡጋንዳን ድማ ወኪላተን ልኢኸን።

ኤርትራ፣ ካብ 2011 ንደሓር፣ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ኢጋድ፣ ብደረጃ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ክትሳተፍ እዚ ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ኣብቲ ዞባዊ ዋዕላ፣ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራት’ውን ከም ተዓዘብቲ ተሳቲፎም።

ኣብ 1986 ኣብ ጂቡቲ ዝተመስረተ ኢጋድ፣ ጽገናን ምምሕያሽን ተኻይድሉ ኣብ 1996 ከም ሓድሽ ከምዝቖመ ሰነዳቱ የነጽር።

ብሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት መሻርኽን ከምዝምወል ዝንገረሉ ኢጋድ፣ ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ኣባላት ሃገራትን እቲ ዞባን ጓና ምዃኑ ‘ዩ ዝውቀስ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0