ኤርትራ፣ ዝመጽእ ሰሙን፣ ኣብ ታንዛንያ ካብ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ኣንሳሒባ

Radio Erena: 16 November 2020

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ካብ 22 ሕዳር ጀሚሩ ክሳብ 6 ታሕሳስ፣ ኣብ ታንዛንያ፣ ከተማ ኣሩሻ፣ ካብ ዝካየድ ግጥማት ሴፋካ ትሕቲ 20 ዓመት ከምዘይትሳተፈ ተፈሊጡ።

እዛ ሃገራዊት ጋንታ፣ ካብዚ ኣቐዲማ ክትሳተፍ ምዃና ተሓቢሩላ ዝነበረ ግጥም ከምዝሰሓበት ብወገን ኤርትራ ዝተሓበረ ነገረ እኳ እንዘየለ፣ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተዘርግሐ መደብ ግጥማት ግና ስም ኤርትራ የለን።

ኤርትራ፣ ኣብ ጉጅለ ‘ለ’ ምስ ብሩንዲ፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን’ያ ተመዲባ ኔራ።

ምስ ኢትይጵያ፣ ሱዳንን ኬንያን፣ እባ ጉጅለ ‘ሐ’ ርዋንዳ’ውን፣ ካብዚ ኣብ 2021 ኣብ ሞሪታንያ ዝካየድ ዋንጫ ኣፍሪቃ ትሕቲ 20 ዓመት ዘሕልፍ ናይ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃ መጻረዩ ግጥማት፣ ብፍቓዳ ተኣልያ ኣላ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ርዋንዳ፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንንውሕ ዝበለ እዋን ተቋሪጹ ዝነበረ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ይጅመር ብምህላዉ፣ ዝበዝሑ ተጻወትቲና ከኣ፣ ተማሃሮ ስለ ዝኾኑ፣ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ኣብ’ዚ ጸወታ ክሳተፉ ስለዘይክእሉ፣ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዝገበርናዮ ምርድዳእ፣ ካብዚ ውድድር ስሒብና ኣሎና” ክብል ኣፍሊጡ።

ፈረደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ግና፣ ሃገራዊት ጋንታ ካብዚ ተሰሪዑላ ዝነበረ ዞባዊ ግጥም ዝቦኸረትሉ ምኽንያት ኣይገለጸን።

ኤርትራ፣ ኣብቲ ካብ 13 ክሳብ 28 ታሕሳስ፣ ኣብ ርዋንዳ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ትሕቲ 17 ዓመት ግጥማት ሴካፋ’ውን ክትሳተፍ ድያ ክትቦክር ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ብህድማ ተጻወቲ ግኑን ስም ዘለዋ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ኣብ ዝገሸቶ ሃገር፣ ተዓዊታ ዶ ወይ ተሳዒራ ካብ ዝብል ንላዕሊ፣ ክንደይ ተጻዊታ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም ዝብል ጉዳይ ብዝያዳ የዛርብ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0