ኤርትራ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝሓዘቶም 120 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ነቶም 62 ፈንያቶም

Radio Erena: 07 June 2020

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝሓዞም ኣስታት 120 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ነቶም 62 ከምዝፈነዎም ማሕበር ገፈፍቲ ዓሳ የመን ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ በብእዋኑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክሕዝ ከምዝጸንሐ ብምዝኽኻር፣ ኣብ 2ን 3ን ሰነ፣ ጀላቡ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ መንጎ ደሴታት ሓኒሽን ገማግም ክሆካን ተዋፍሮም ንዝነበሮ 120 የመናውያን ከምዝወሰዱ ወቒሱ።

ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳን ዳይረክተር ክፍሊ ቀይሕ ባሕሪን የመን፣ በብወገኖም ተመሳሳሊ ወቐሳ ኣቕሮቦም ኣለዉ።

ኣብቲ ናይ ረቡዕ 3 ሰነ ፍጻሜ፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ የመን ግብረ መልሲ ስለዝሃበ፣ ኣብ ክልተ ጀላቡ ዝነበሩ ብውሕዱ ሸውዓተ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዙ ተገሊጹ’ዩ።

ኤርትራ፣ ካብ ዝሓዘቶም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ነቶም 62 ጀላብኦም ዘሚታ፣ ኣብ ኣረግቶት ጀላቡ ጽዒና ንጽባሒቱ ሓሙስ 4 ሰነ ከምዘፋነወቶም ሓላፊ ማሕበር ገፈፍቲ ዓሳ ናይቲ ከባቢ ኻልድ ኣል ዛንሩቒ ንኣራብ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ሃሽም ዝተባህለ፣ ሓደ ካብቶም ዝተፈነዉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ብጀላቡ ዝመጹ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ራስ ታርማ ናይ ኤርትራ ከምርሑ ከምዘገደድዎ ጠቒሱ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ደሴታት ዝቑር-ሓኒሽ ዘጋጠመ ግጭት፣ “ዘይሕጋዊ ንግዲ ብዘካይዱ ጉጅለ ማፍያ ዝተበገሰ ንእሽቶ ክስተት” ክብል’ዩ ከም ናይ ወትሩ ንዜጋታቱ መብርሂ ከይሃበ ሓሊፍዎ።

እቲ መንግስቲ፣ ብዛዕባቶም ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ የመን ከምዝተማረኹ ዝግለጹ ዘለዉ ሸወዓተ ወይ ሸሞንተ ኣባላት ሓይሊ ባሕሩ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሓበሬታ’ውን የለን።

ደሴታት ዝቑር- ሓኒሽ፣ ብዳንነት ፍርዲ ኣብ 1998 ንየመን እኳ እንተተዋህባ፣ ጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክሳብ እዚ እዋን ንጹር ውሳኔ ኣይተዋህቦን።

ብሰንኩ ድማ ኤርትራ፣ ናብ ክሊ ማያ ከምዝኣተዉ ዝጥቐሱ ኣማኢት የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክትሕዝ ጸኒሓ።

ዝበዝሑ ካብቶም በብእዋኑ ዝተታሕዙ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ በብግዜኡ ይፍትሑ’ዮም።

ኣብ 1 ታሕሳስ 2019 ዝተታሕዙ 24 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘይተፈትሑ ማሕበር ገፈፍቲ ዓሳ የመን የመልክት።

ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ዝርከብ ክሊ ማይ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ ምትእትታው ሕቡራት ኢማራት፣ ንባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክልቲኤን ሃገራት ሓደገኛ ኮይኑ ምህላዉ በብግዜኡ ይጥቀስ’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0