ኤርትራ፣ ክትሃድሙ ሓሲብኩም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ክልተ ኣብረርቲ ሓይሊ ኣየርን ተወሳኺ ሓደ ጋዜጠኛን ኣብ ማእሰርቲ ይሳቐዩ ኣለዉ

Radio Erena: 15 June 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ስግረዶብ ክትሃድሙ ሓሲብኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩ ዜጋታት ብዝሖም ካብ ኣሽሓት እንተዘይዛይዱ ኣይውሕድን’ዩ።

ኣብረሪ ነፋሪት ክትሃድሙ ሓሲብኩም ተባሂሎም ክእሰሩ ግና ዳርጋ ብዙሕ ኣይተሰምዐን።

ሬድዮ ኤረና ድሒራ ከምዘረጋገጸቶ፣ ካፕተን ሃብቶምን ተለንተ ሳሙኤልን ዝተባህሉ ክልተ ኣብረርቲ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ክትሃድሙ ሓሲብኩም ብዝብል ጥርጣረ ንዓመታት ተኣሲሮም ይሳቐዩ ኣለዉ።

ካፕተን ሃብቶም፣ ካብ መወዳእታ 2012 ኣትሒዙ ዝተኣስረ ክኸውን እንከሎ፣ ተለንተ ሳሙኤል ግርማይ ድማ ካብ ዝእሰር ኣስታት ክልተ ዓመቱ ኣቑሩ’ሎ።

ካልእ ምንጪ ከምዝሓበሮ ድማ ካፕተን ሃብቶም ተወልደ ዝተብሃለ ኣብራሪ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ንኣስታት 4 ዓመታት ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ዓመት ተፈቲሑ።

ብዘይካ’ዚ፣ ገዲም ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜናን ኣባል ኣገልግሎት ዜናን ብርሃነ ዓንደመስቀል ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ንልዕሊ 2 ዓመታት ኣብ ማይ ስርዋ ተኣሲሩ ከምዘሎ ሬድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ።

ጋዜጠኛ ብርሃነ ዓንደመስቀል፣ ኣብ ኣገልግሎት ዜና ዞባ ማእከል ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝሰርሐ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ዜጋታት ብጥርጣረን ብዘይሕጋዊ መስርሕን ንዓመታት ክእሰሩ ልሙድ ተርእዮ’ዩ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Merhawi 4 years ago

    Anta amlak maas eyu eritrea zhalfela