ኤርትራ፣ ካብ 24 ክሳብ 27 መስከረም ኣብ ዝካየድ መበል 87 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ብደቂተባዕትዮ ጥራይ ክትሳተፍ’ያ

Radio Erena: 22 September 2020

ኤርትራ፣ ኣብቲ ካብ ሓሙስ 24 ክሳብ ሰንበት 27 መስከረም፣ ኣብ ኢጣልያ ዝካየድ፣ መበል 87 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ክትሳተፍ’ያ።

ኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፣ ማለት ዩሲኣይ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፣ ንኤርትራ ወኪሎም ኣብዚ ቅድድም ክሳተፉ ተረቑሖም ዘለዉ ሰለስተ ተቀዳደምቲ፣ ናትናኤል ብርሃነ፣ መርሃዊ ቅዱስን ኣማኑኤል ገብረግዝኣብሔር’ዮም።

እዞም ምስ ዝተፈላለያ ክለባት ዓለም ተጠርኒፎም ዝረክቡ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ፣ ብዝያዳ፣ ኣብቲ ዓርቢ ዝሰላሰል 46 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዘለዎ ናይ ውልቒ ውድድር ግዜ፡ ወይ ክሮኖሜትርን፡ከምኡ’ውን ንሰንበት ተሰሪዑ ዘሎ ናይ 259 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሽፍን ፈታኒ ናይ ጽርግያ ቅድድምን’ዮም ክጽመዱ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፣ ኤርትራ ደቂንስትዮ ተቐዳደምቲ ኣይክትልእኽን’ያ።

እዚ ናይ ዓለምና ጎባልል ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ዝወዳደርሉ ናይሎሚ ዓመት ሻምምዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ክካይድ መደብ ተታሒዝሉ እኳ እንተነበረ፣ እታ ሃገር፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዘውጽኣቶ ፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከይተኣኻኸቡ ዝእግድ ኣቃጅ ጸኒዑ ብምህላዉ ግና፣ ኣብ ኢጣልያ ክካየድ ተወሲኑ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ንጥፈታት ቅድድም ብሽክለታ ዳግም ድሕሪ ምጅማሩ፣ ምስ ዝተፈላለያ ክለባት ዓለም ተጠርኒፎም ዝርከቡ ሓያሎ ኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ፣ ኣብ ብዙሕ ውድድራት ተጸሚዶም፣ ዝንኣድ ውጽኢታት ኣብ ምምዝጋብ’ዮም ዝርከቡ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0