ኤርትራ፣ ካብ ኣመሪካ ዝሸመተቶ ማሸላ ኣብ ሞሮኮ ተዓጊቱ ከምዘሎ ተሓቢሩ

Radio Erena: 12 June 2020

ኤርትራ፣ ካብ ኣመሪካ ዝሸመተቶ ማሸላ ዝጸዓነት መርከብ፣ ኣብ ሞሮኮ፣ ወደብ ኣጋደር ተዓጎታ ከምዘላ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እታ ኣሽሓት ቶናት ዝጸዓነት መርከብ፣ ኣብ ሞሮኮ ዝተዓግተትሉ ምኽንያት፣ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ይወሃቦ።

እቲ ኣብ ሞሮኮ ከምዝተዓግተ ዝግለጽ ዘሎ ማሸላ፣ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ሰነ ኣትሒዙ ካብ ኣመሪካ ዝሸመቶ ልዕሊ 33 ሽሕ ቶን ማሸላ ምዃኑ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሚኪ 4 years ago

    ኣቱም ሎቓምጽ፡
    እንቋዕ እሞ ከም እመልኩም ነዛ ሓላል ሃገር ከተጸልሙ ኣጽዋር ዝዓደገቶ ኣይበልኩምና፡ ናይ እኽልስ ጸገም የለን።