ኤርትራ፣ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ዝከታተል ሓድሽ ኣሃዱ ስለያ ተዋፊሩ

Radio Erena: 30 January 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ንኣገልግሎታት ኢንተርነት ዝከታተል ሓድሽ ኣሃዱ ስለያ ከምዝተዋፈረ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ብሓገዝ መንግስቲ ቻይና፣ ኣብ ኣስመራን ከተማታት ቻይናን ዝሰልጠኑ ኣባላት ስለያ፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ መርበባት ኣብ ምጽንጻንን ኢንተርነት ካፌታት ኣብ ምክትታልን ከምዝተዋፈሩ ሓደ ኣብዚ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ ኣባል እዛ ጉጅለ ንሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ፣ ኣቐዲሙ ንናይ ሞባይልን ቴሌፎናትን ርክባት ዝጠልፍን ዝከታተልን ኣሃዱ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ሓድሽ ኣሃዱ ግና ብዘመናዊ መሳርሒታት ዝሰልጠነን ብዝያዳ ኣብ ኢንተርነት ዘድሃበን’ዩ።

እቶም ኣስታት 30 ዝኾኑ ኣባላት እታ ኣሃዱ፣ ካብ ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኺበታትን፣ኣገልግሎት ኤሪቴል፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል ወትሃደራዊ ስለያን ሚኒስትሪ ዜናን ዝተዋጽኡ ምዃኖም እቲ ምንጪ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ኣቢሉ፣ ሓያሎ ክኢላታት ቴክኖሊጂን ሓበሬታን (IT) ወነንቲ ኢንተርነት ካፈታትን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብኤርትራውያን ዝተዳለወት ጽሑፋት ዘርጊሕኩምን ኣብ ወጻኢ ምስ ዝርከቡ ደምበ ተቓውሞ ውዳቤታት ኣለኩምን ብዝብል ክሲ ከምዝተኣሰሩ ዘረጋገጸ እቲ ምንጪ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘይተፈትሑ ኣመልኪቱ።

ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ኤርትራ ኣብ ርእሲ’ቲ ካብ ዓለምና ዝኸበረ ምዃኑ ብቀሊሉ ዘይርከብን ውሑድ ዋሕዚ ዘለዎን’ዩ።

ኣብ ልዕሊ 5 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ኤርትራ፣ ተጠቓሚ ኢንተርነት ኣስታት 1.3% ጥራይ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ዓለም ግኑን ኮይኑ ዘሎ ናይ ሞባልይ ኢንተርነት ወይ ሞባልይ ዳታ ኢንተርነት ሰርቪስ ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎቱ ንዝህቢ ዕጹው ምዃኑ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር፣ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝፈጥርዎ ዘለዉ ጽልዋታት ስግኣት ዘሕደረሉ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ሚኒስትሪታት ጉዳያት ወጽኢን ዜናን ከምኡ ድማ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ዝተዋጽኡ መንእሰያት ብምውፋር ኣብ ዲጂታል ፕሮፖጋንዳ ኣዋፊሩ ይርከብ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0