ኤርትራ፣ ኣቦ መንበር ኮሚተ እገዳ ናብ ኣስመራ ንምብጻሕ ዘቕረቦ ሕቶ ነጺጋ

ኤርትራ፣ ኣቦ መንበር ኮሚተ እገዳ ናብ ኣስመራ ንምብጻሕ ዘቕረቦ ሕቶ ነጺጋ

Radio Erena: 16 May 2018

Kairat Umarov

ኣቦ መንበር ኮሚተ እገዳ ሶማልን ኤርትራን ካይራት ኢማሮቭ፣ ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ ዘቕረቦ ሕቶ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝነጸጎ ዲፕሎማስያውይን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ካዛኪስታናዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ኣቐዲሙ ናብ ጅቡቲ፣ ሶማልያ፣ ኢትዮጵያን ኬንያን ከምዘካየደ ዝጠቀሱ እቶም ምንጭታት፣ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንምዝርራብ ዘቕረቦ ሕቶ ከምዝተነጽገን ናብ ኤርትራ ዘእቱ ቪዛ ከምዝተኸልከለን ኣፍሊጦም።

ዕላማ ናይቲ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየዶ ዑደቱ፣ ብዛዕባ ፖለቲካዊ፣ ጸጥታዊን ወትሃደራውን ኩነታት ሓበሬታ ብምእካብ፣ ጸብጻብ እገዳ ሶማልን ኤርትራን ናብ ባይቶ ጸጥታ ንምቕራብ’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ 2009 ከምኡ ድማ 2011 ክልተ እዋን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ንኽልዓለ፣ እቲ መንግስቲ ይሓትት እኳ እንተሎ፣ ምስ ኮሚተ እገዳን ተቖጻጻሪት ጉጅለን ምትሕብባር ግና ሓንጊዱ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ኮሚተ እገዳ ሶማልን ኤርትራን ኣባላት ተቖጻጻሪ ጉጅለን ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ ካብ ዘቕረብኦ ተደጋጋሚ ጠለባት፣ እዚ ናይ ዝሓለፈ ቅንያት ንፈለማ እዋኑ ኣይኮነን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0