‘ኤርትራ፣ ኣብ ዲፕሎማሲ እምበር፣ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ወላሓንቲ ለውጢ የለን’ HRW

‘ኤርትራ፣ ኣብ ዲፕሎማሲ እምበር፣ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ወላሓንቲ ለውጢ የለን’ HRW

Radio Erena: 07 October 2018

esurat ertraመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ምምሕያሻት የርእይ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ዘቤታዊ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ግና ወላሓንቲ ለውጢ ከምዘይገበረ፣ ህዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ መሰላት ብዕለት 3 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፈትሕ፣ ኣብታ ሃገር ዕርቂ ከውርድ ትጽቢት ሓያሎ ወገናት’ኳ እንተነበረ፣ እቲ መንግስቲ ብኣንጻሩ ዜጋታቱ ኣብ ምቕያድ ተጸሚዱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ 17 መስከረም ንሚኒስተር ነበር ብርሃነ ኣብረሀ፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ከም ኣብነት ብምግላጽ፣ ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ሰዊሩዎም ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ኤርትራ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ክስን ፍርድን ናይ ዝቕየዱ ዜጋታት ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን እንተኾነ ይቕጽል ብምህላዉ፣ ዋሕዚ ስደት እውን ካብ ናይ ቀደሙ ገኒኑ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ። እቲ ሓደ ካብ ቀንዲ ምኽንያታት ዋሕዚ ስደት መንእሰያት ዝኾነ ሃገራዊ ኣገልግሎት እውን እንተኾነ ክቕጽል ምዃኑ’ዮም ምንጭታት ሓበሬታ ዘመልክቱ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መወዳእታ፣ ዝኾነ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክብ ክገብር እንተኾይኑ፣ ነቶም ቀዪዱዎም ዘሎ እሱራት ናጻ ከውጽኦም ከም ቅድመ ኩነት ከቕርብ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

=============== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0