ኤርትራ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ጽዑቕ ግፋ ይቕጽል ኣሎ

Radio Erena: 31 March 2021

ኣብ ኤርትራ፣ ኣስመራ ኣብ እትርከቦ ሓያሎ ከባቢታት ጽዑቕ ግፋ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ግፋ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዓጽይዎ ዝጸንሐ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ካብ 1 ሚያዝያ ኣትሒዙ ክኽፈት ምዃኑ ኣብ ዝግልጸሉ ዘሎ ኣጋጣሚ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ግፋ ልሙድ ተርእዮ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ናይ ሕጂ ግና፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ተጸሚድሉ ኣብ ዘሎ እዋን ይካየድ ምስ ምህላዉ፣ ኣብ ህዝቢ ጥርጣረታት ፈጢሩ ይርከብ።

ግፋ፣ ድሕሪ ምጅማር ትምህርቲ ብዝጸዓቐ ክቕጽል’ዩ ዝብል ሻቕሎት ህዝቢ ከምዘሎ’ውን እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ልዕሊ 8 ክፍላተ ሰራዊት ኣዋፊሩ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ልዕሊ 2 ሽሕ ዝግመት ፈኵስን ከቢድን መውጋእቲ ወትሃደራት ከምዘጋጠሞ’ዩ ተሓቢሩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0