ኤርትራ፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 70ታት ዝርከቡ ክልተ ፓስተራት ዝሓለፈ ሰሙን ተኣሲሮም

Radio Erena: 27 July 2021

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 70ታት ዝርከቡ ክልተ ፓስተራት ከምዝተኣስሩ ኦፐን ዶርስ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ምጥባቕ መሰል እምነት ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ብዝዘርግሖ ዜና መሰረት፣ 75 ዓመት ዝዕድሚኦም ፓስተር ግርማይን 74 ዓመት ዝዕድሚኦም ፓስተር ሳሙኤልን፣ ኣባላት ቤተ ክርስትያን ሙሉእ ወንጌል ኮይኖም፣ ዝሓለፈ ሰሙን’ዮም ኣብ ኣስመራ፣ ከካብ ገዝኦም ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ተወሲዶም።

ኣቐዲሞም ንሓሙሽተ ዓመታት ዝተኣስሩ፣ ፓስተር ጆርጆ ዝተባህሉ ወዲ 72 ዓመት ኣቦ ድማ፣ ሓሚሞም ዓራት ሒዞም ስለዝጸንሕዎም፣ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ክጸንሑ ብምሕባር ገዲፎሞም ከምዝኸዱ ኦፐን ዶርስ ብ26 ሓምለ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ዝሓለፈ ዓመት ንሓያሎ ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ 10ታት ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታት ዝፈትሐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብኣንጻሩ ካብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ጀሚሩ ልዕሊ 30 ካልኦት ምእሳሩ ይፍለጥ።

ብሰንኪ እምነቶም ኣማኢት ዜጋታት ንነዊሕ ዓመታት ኣሲሩ ዘሳቕን ዘጋፍዕን ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብምግሃስ መሰል እምነታት ደቂ ሰብ ምስ ቀዳሞት 6 መንግስታት ከምዝስራዕ ጸብጻብ እቲ ኣህጉራዊ ትካል የመልክት።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0