Radio Erena: 29 April 2019
ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ከባቢ ባድመ ዓስኪረን ዝነበራ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ተሳሒበን።
እተን ኣሃዱታት ድሕሪ ምስሓበን፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ካብ ታዕሊም ብዝወጹ ሓደስቲ ተተኪኤን ከምዘለዋ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም
ዕላማ ምስሓሰብ እዞም ኣብ ከባቢ ባድመ ዝነበሩ ሰራዊት ብንጹር ዝተፈልጠ ነገረ እኳ እንተዘየለ፣ እቲ ሰራዊት፣ ኣብ ቅንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት፣ ተቓውሞታት ከይልዓል የስግእ’ዩ ናብ ዝብሃል ከተማታት ይዘዋወር ከምዘሎ ይውረ።
መንግስቲ ኤርትራ፣ ብካድራቱ ኣቢሉ ኣብ ዝህቦ ዘሎ ሰሚናራት፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ርክብ ሰላም ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ እኳ እንተመልከተ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይወጻእ ግና ወያነ ዕንቕፋት ስለዝኾነ፣ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመን ምሕንጻጽ ዶባትን ንዘይተወሰነ እዋን ተሰጋጊሩ ከምዘሎ የረድእ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዘእቱ መንገዲታት ከም ናይ ቀደሙ ብሓያሎ ኬላታት ተኦኣጽዩ ኣሎ።
መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ኣርባዕቲኡ ናይ ዶብ መስመራት ድሕሪ ምዕጻው፣ ብኣጋር ንዝንቐሳቐሱ ነበርቲ እቲን ኣብ ዶብ ዝርከባ ዓድታት እንተዘይኮኑ፣ ኣእዱግ ይኹን ኣግማል ሒዞም ንዝመላለሱ ሰባት ንብረቶም ይህግር ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።
ምስ ምዕጻው ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብተዛማዲ ዋጋታቱ ጎዲሉ ዝነበረ ዕደጋታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበሮ ይምለስ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ የረጋግጹ።
ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
======================