ኤርትራ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብደረጃ ኣምባሳደር ዝጸንሐ ውክልናኣ፣ ናብ ፈጻሚ ጉዳያት ምውራዳ ኣዛሪቡ

Radio Erena: 03 April 2022

ንኣስታት 20 ዓመታት ተቛሪጹ ዝነበረ ርክብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ዳግም ኣብ ዝጀመረሉ፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተመዘዘ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፣ ናይ ስራሕ ግዜኡ ዛዚሙ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ሃገሩ ምስ ተመልሰ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ብኻልእ ኣምባሳደር ኣይተክኦን።

እቲ መንግስቲ ብኣንጻሩ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ፣ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብደረጃ ቀዳማይ ጸሓፊ ከገልግል ንዝጸንሐ ኣቶ ቢንያም በርሀ፣ ብደረጃ ፈጻሚ ጉዳያት፣ ነቲ ኤምባሲ ክመርሕ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ መዚዝዎ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ኣብ ለንደን ካብዝ ዝነበሩ ዲፕሎማሰኛታቱ ሓደ ዝኾነ፣ ኣምባሳደር ፍቓዱ በየነ፣ ኣስመራ ናብ ዝርከብ ኤምባሲኡ መዲብዎ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ይኹን’ምበር እቲ ኣምባሳደር ዛጊት ወርቐት ስርሑ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣየረከበን።

ኣብ ጽልኢ ህወሓት ዝተመርኮሰ ስልታዊ ዝምድና መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ንህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ንጹር ዘይኮነንን ብወግዒ ዘይተሓበረን ወትሃደራውያን ስለያውን ርክባት ይቕጽል ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ፣ እዚ ብዲፕሎማስን ምትእምማን ዘይተመስረተ፣ ወትሃደራዊ ስልታዊ ምትሕግጋዝ ዘቐደመ ርክብ እዞም ክልተ መንግስታት፣ ነዊሕ ዕምሪ ክህልዎ ከምዘይኮነ ብዙሓት ትንታነታቶም ይህቡ’ዮም።

ስእሊ፣- ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Yirgalem Haile 2 years ago

    Exactly 💯% it’s False communication.