ኤርትራ፣ ኣብ ናይ ዕደና ዕዳጋ ድሕሪ ምጽንባራ፣ ዓመታዊ ናብ ወጻኢ እትልእኮ  ነገራት (exports)  ኣስታት 533 ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ

ኤርትራ፣ ኣብ ናይ ዕደና ዕዳጋ ድሕሪ ምጽንባራ፣ ዓመታዊ ናብ ወጻኢ እትልእኮ ነገራት (exports) ኣስታት 533 ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ

Radio Erena: 10 May 2016

Gold

ኤርትራ ናብ ወጻኢ ሃገራት እትልኮ ነገራት (ሰደድ-exports)፣ ዓመታዊ ኣስታት 533 ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ኣብ ቁጠባ ሃገራት መጽናዕቲ ዘካይድ ኣህጉራዊ ትካል The Observatory of Economic Complexity (OEC) ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ብዝርዝር ኣስፊርዎ ብዘሎ ሓበሬታ፣ እቲ ኣስታት 528 ዶላር፣ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝልኣኽ ዘሎ ዝተፈላለየ ማዕድናት ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ ኣስታት 5 ሚልዮን ከኣ ከም ቡንን ፍርያት ጡጥን ምዃኑ ገሊጹ።

መብዛሕቱ’ቲ ናብ ወጻኢ ሃገራት ብመልክዕ ሰድድ ዝልኣኽ ዘሎ ፍርያት ኤርትራ፣ ናብ ከም በዓል ቻይና፣ ህንዲ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ቡልጋርያን ግብጽን ዝቐንዐ’ዩ።

 

በንጻር እዚ ድማ ኤርትራ ዓመታዊ ካብ ወጻኢ ሃገራት እትሽምቶ ነገራት (እታው – Imports) ኣስታት 302 ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣመልኪቱ።

ኤርትራ ብመልክዕ እታው ካብ እትሽምቶ ነገራት ነዳዲ፣ መካይን፣ ጎማታት ተሽከርከርቲ፣ ኣእካል፣ ሽኮርን ዘይትን ኣብ ቅድሚት ይስራዕ።

ቻይና፣ ግብጺ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ኢጣልያ፣ ጀርመንን ህንዲን እተን ቀንዲ ኤርትራ ነገራት ንምሽማት እተዘውትረን ሃገራት’የን።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ መንጎ ሰድድን እታውን ዝነበረ ፍልልያት እናተቐራረበ ይመጽእ ምህላዉ ዝሓበረ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብ 2014 እቲ ፍልልይ ናይ 230 ሚልዮን ዶላር ምንባሩ ጠቒሱ።

ኤርትራ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንእትሽምቶ ነገራት እትገብሮ ወጻኢታት ምስቲ ካብ ወጻኢ ሃገራት ናይ እትልኮ ኣታዊታትን ክመዛዘን እንከሎ፣ እቲ ናይ ሰድድ ብ230 ሚልዮን ዶላር ምዝያዱ እወታዊ ምትዕርራይ ንግዲ ዘመልክት ምዃኑ’ውን እቲ ትካል የረድእ።

እንተኾነ፣ ሰደድ ኤርትራ ኣብ ሓደ ጽላት ማለት ኣብ ዕደና ጥራይ ዘድሃበ ምስ ምዃኑ፣ ነቲ ካልእ ጽላታት እታ ሃገር ከይቀብሮ ስኽፍታ ምህላዉ ተንተንቲ ቁጠባ ይሕብሩ።

ኤርትራ፣ ኣብ ሰድድ ብዘድሃበ ቁጠባ፣ ካብ 220 ሃገራት ዓለም ኣብ 166’ያ ተሰሪዓ ትርከብ።

ብእታው ከኣ መበል 189 ደረጃ ሒዛ ኣላ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0