ኤርትራ፣ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 2 ሽሕ ዝግመት መውጋእቲ ወትሃደራት ከምዘጋጠማ ምንጭታት ሓቢሮም

Radio Erena: 26 March 2021
ኣብ ትግራይ፣ ካብ 4 ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ዝሳተፋ ዘለዋ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ፣ ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራታት የጋጥመን ከምዘሎ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ብዝያዳ ዝሳተፋ ዘለዋ ኣሃዱታት፣ ነፍሲ ወከፈን ካብ 700 ክሳብ 900 ዝግመት ብዝሒ ወትሃደራት ዘለወን ክፍላተ ሰራዊት 13፣ 16፣ 18፣ 19፣ 22፣ 23፣ ከምኡ ድማ 525 ‘የን ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ዛጊት ልዕሊ 2 ሽሕ ዝግመቱ ኣባላተን ብከቢድን ፈኵስ ቆሲሎም ካብቲ ኩናት ከምዝተሳሕቡ ኣረጋጊጾም።

ካልኦት ተደረብቲ ኣሃዱታት’ውን በብእዋኑ ኣትየን ከምዝወጻ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።
እብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝተወግኡ ወትሃደራት ኤርትራ፣ ብመንገዲ ሑመራ- ኦምሓጀር፣ ራማ- እንዳገርጊስ፣ ዛላምበሳ- ሰንዓፈ፣ ኣቢሎም ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምእታዎም፣ ናብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ይልኣኹ ምህላዎም ሓቢሮም።
ኣብ ከባቢ ከረን ዝርከብ ወትሃደራዊ ሆስፒታል ግላስ፣ ክሕዞ ካብ ዝኽእል ዓቕሚ ንላዕሊ፣ ዓራት ኣብ ቀጽሪ ተነጺፍሉ፣ ውጉኣት ይእለዩ ከምዘለዉ ዘመለከቱ እቶም ምንጭታት፣ ናብተን ናይ ሲቪል ዝብሃላ ሆስፒታላት’ውን ክፍልታት ውጉኣት ኵናት ተፈልዩሎም ይሕከሙ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።
ከቢድ ስንክልና ዘጋጠሞም ድማ ኣብ ከባቢ ደንጎሎ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተዓቝቦም ከምዘለዉ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ።
ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ትግራይ ዝሞቱ ዘለዉ ወትሃደራት ኤርትራ ንምፍላጡ ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ተፋንዮም ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ይኹኑ ክሳብ 33 ዙርያ ሓድሽተ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ከም መተካእታ ብብዝሒ ናብ ትግራይ ይወፍሩ ምህላዎም ግና፣ መጠነ ሞት ኣሽሓት ክበጽሕ ከምዝኽእል እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ግምታቶም ይህቡ።
እቶም ምንጭታት ኣብ መወዳእታ፣ ናይ ባይቶ ይኹን ናይ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ውሳኔ ዘይብሉ፣ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ጥራይ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተዋፊሮም፣ ዝሞት ዘለው ኣሽሓት መንእሰያት፣ ጽባሕ ንግሆ ስድራቤታቶም እንታይ ተባሂሎም ክርድኡ’ዮም፣ ቀስ ኢልካ ዝርአ ምዃኑ ደምዲሞም።
ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0