ኤርትራ፣ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብጸብለልታ ተዓዊታ

ኤርትራ፣ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብጸብለልታ ተዓዊታ

Radio Erena: 27 November 2018

eri cyclingካብ 21 ክሳብ 25 ሕዳር፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2018፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣንጸባራቒ ዓወታት ተጎናጺፎም።

ኤርትራ ድማ ብ10 ወርቂ፣ 6 ብሩርን 5 ነሓስን፣ ሻምብዮን ናይዚ ቅድድም ኮይና።

ኣብዚ ተቐዳደምቲ ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ናይጀርያ፣ ርዋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተሳተፍዎ ዋንጫ ኣፍሪቃ፣ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ስሙያት ተቐዳደምትን ብዝሒ ሃገራትን ኣይተረኽቡን።

ይኹን’ምበር፣ ብኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ተፈላጥነት ዘለዎ ኣብ ኤርትራ ንፈለማ እዋኑ ዝተኻየደ ብምዃኑ፣ ኣብ ምስሊ ኤርትራ ኣወታዊ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

እዚ ዝበዝሐ ወጻኢታት ናይ ኩሎም ተቐዳደምቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተሸፈነ፣ ቅድድም ዋንጫ ኣፍሪቃ፣ ኣሽሓት ህዝቢ ብኣካልን ብቀጥታዊ ፈነወ ቴሌቪዥን ኤርትራን ተኸታቲልዎ’ዩ።

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0