ኤርትራ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝወሓደ ብዝሒ ብኮረና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት መዝጊባ

Radio Erena: 27 April 2020

ኤርትራ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እታ ዝወሓደ ብዝሒ ብኮረና ቫይረስ ዝተለኽፊ ሰባት ዝመዝገበት ሃገር’ያ።

እታ ሃገር ዕለታዊ ብእትህቦ ዘላ ጸብጻብ መሰረት፣ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ 39 ሰባት ክትምዝግብ እንከላ፣ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ዝጸንሑ 13 ሰባት ድማ ሓውዮም ናብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉ’ያ ትጠቕስ።

ልዕሊ 5 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ኤርትራ፣ መዓልታዊ ክንደይ ሰባት መርመራ ይካየደሎም ግና ዝፍለጥ ነገር የለን።

ብኣንጻር እዚ ኣብ ጂቡቲ፣ ብኮረና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 1 ሽሕ ከምዝበጽሑ ሰበ ስልጣን ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ዛጊት ናይ ክልተ ሰባት ሞት መዝጊባ ዘላ ንእሽቶ ሃገር ጂቡቲ፣ ካብቲ ሕማም ምሉእ ብምሉእ ዝሓወዮም ድማ 373 ምዃኖም’ያ ትገልጽ።

ኣስታት ሓደ ሚልዮን ጥራይ ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ንእሽቶ ሃገር ጂቡቲ፣ ዝያዳ’ተን ብዝሒ ህዝቢ ዘለወንን ሰፋሕትን ጎረባብታ ሃገራት ብኮረና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ምምዝጋባ፣ ጠንቂ’ቲ እታ ሃገር እትኽተሎ ዘላ ኣካይዳ ምዃኑ ዝገልጹ ወገናት ኣለዉ።

ካልኦት ድማ፣ እታ ሃገር፣ ዝያዳ’ተን ካልኦት ጎረባብታ ሃገራት መርመራ ክትገብር ብምኽኣላ’ያ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ረኺባ ዘላ ዝብል ምጉት የቕርቡ።

ኣብ ጂቡቲ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ውልቃዊ ጥንቃቐታት ክግበር ምኽርታት ይልገስ እኳ እንተኾነ፣ ህዝቢ ኣብ ኣባይቱ ክዕጾ ይኹን ምፍንታት ከዘውትርን ዘገድድ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ የውዕሎ ከምዘሎ’ዩ ዝሕበር።

ጎረቤት ጂቡቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ፣ ካብታ ሃገር ዝምለሱ ዘለዉ ዜጋታት፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ከየላብዑ ስግኣት ብወግዒ ገሊጻ ኣላ።

ሓንቲ ሃገራት፣ ብዝሒ ብኮረና ቫይረስ ዝተለኽፍ ሰባት ብልክዕ ክትፈልጥ እንተኾይና፣ ነባሪ እታ ሃገር ዝኾነ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መርመራ ምስ ዝግበረሉ ጥራይ ምዃኑ’ዮም ክኢላታት እዚ ዓውዲ ዘረጋግጹ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0