ኤርትራ፣ ኣብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዘተኮረ፣ ሓድሽ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ተጀሚሩ

Radio Erena: 18 August 2019

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ህዝቢ ክመጾ ንዝኽእል ተቓውሞ ንምግታእን፣ ሒዙዎ ዘሎ ፖለቲካዊ መስመር ኣብ ህዝቢ ከምዝሰርጽ ንምግባርን ኣብ ሓያል ፖለቲካዊ ጎስጓስ ተጸሚዱ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ሓደ ኣብነት ናይዚ መንግስቲ ኤርትራ ብጽዑቕ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጎስጓስ፣ ካብ ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን ቤት ጽሕፈታትን ንዝተዋጽኡ ውልቀሰባት ፖለቲካዊ ትምህርቲ ምሃብ ሙዃኑ ምንጭታትና ብተወሳኺ ገሊጾም።

እዚ ኣብ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ ዝወሃብ ዘሎ ብ ’ስልጠና ፖለካዊ ሳይንስ’ ተሰምዩ ዘሎ ዘመተ፣ መሰረታዊ ዕላምኡ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣርእዩዎ ዘሎ ተቓውሞን፣ ሓያል ድፍኢት ንለውጥን፣ ከይገንፈለ እንከሎ ኣንፈት ህዝቢ ንምጥምዛዝ ዘተኮረ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣቐድም ኣቢሉ ተመሳሳሊ ስልጠናታት በብእብረ ካብ ሚኒስትሪታት ንዝርቁሑ ሰባት፣ ኣብ ናቕፋ እዩ ክወሃብ ጸኒሑ።

እቲ ስልጠና ብተወሳኺ፣ እሙናት ኣገልገልቲ ኣለሊኻ፣ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ’ቲ ስርዓት ናብ ህዝቢ ንምዝራእ ምዃኑ ዝገለጹ ምንጭታት ኤረና፣ እንተኾነ ግና ብትእዛዝ ዝፍጸም ዘሎ ትምህርቲ ስለዝኾነ፣ ካብ ተሳተፍቱ እውን ልዑል ተቐባልነት ኣይረኸበን ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0