ኤርትራ፣ ኣስታት ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝባ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከምዝረክብ ተገሊጹ

Radio Erena: Wednesday, 14 June 2023

ኣስታት ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክርከብ ከምዝኸኣለ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ወኪል ጸዓት ኣፍሊጡ።

እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል ኣብዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ኤርትራ፣ ሸፈነ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፣ ካብ 2016 ኣትሒዙ፣ ዓመታዊ ናይ ልዕሊ 1.2% ወሰኽ እናርኣየ ኣብ 2020 ናብ 52% ከምዝበጽሐ ኣስሚርሉ።

ኣስታት 99% ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣገልግሎት ኤልክትሪክ፣ ብነዳዲ ካብ ዝሰርሓ ጀነሬተራት ዝምንጩ ኮይኑ፣ ኣስታት 1 % ድማ ካብ ጸሓያዊ ጸዓት ዝርከብን ካልእ ፈተነታተን ዘጠቓለለ’ዩ።

ትሕተ ቅርጺ ተነቢርሉ፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክበጽሖ ዝኸኣለ ህዝቢ ኤርትራ፣ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ መብዛሕትኡ ንውሱን ሰዓታት ዝጸንሐን ብተደጋጋሚ ዘቛርጽን ምዃኑ’ዩ ዝጥቐስ።

ኣብ ኤርትራ፣ ንርእሰ ከተማ ኣስመራ ሓዊስካ፣ ተደጋጋሚን ንነዊሕ መዓልታት ዝጸንሐን ምቑራጽ ኤሌክትሪክ ግኑን ተርእዮ ምዃኑ ህዝቢ ብዓውታ ዝዛረበሉ ጉዳይ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0