“ኤርትራ፣ ኣምሳያ ናይቲ ንስዑዲን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እትህበን ዘላ ሎጂስቲካዊ መሳለጥያታት ዝረኸበቶ ነገረ የለን፣” ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ

“ኤርትራ፣ ኣምሳያ ናይቲ ንስዑዲን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እትህበን ዘላ ሎጂስቲካዊ መሳለጥያታት ዝረኸበቶ ነገረ የለን፣” ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ

Radio Erena: 02 March 2016

OsFM

መንግስቲ ኤርትራ ኣምሳያ ናይቲ ንስዑዲን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ወደብ ዓሰብ ዝህቦም ዘሎ ሎጂስቲካዊ መሳለጥያታት፣ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይተዋህቦ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝህገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ኣስመራ ምብጻሕ ምስ ዝፈጸመ ጋዜጠኛ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ ነቲ ኤርትራ ኣምሳያ ናይቲ ምስ ንስዑዲን ሕቡራት ኢማራትን እትገብሮ ዘላ ደገፍ፣ ናይ ነዳዲ ሃገዝ ይግበረላ’ዶ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝመሰለሉ’ዩ፣ ዛጊት ዝኾነ ነገር ከምዘይረኸበት ዝጠቐሰ።

መንግስቲ ኤርትራ ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ ወደብ ዓሰብ ሎጂስቲካዊ ኣገልግሎታት ይህብ ከምዘሎ ብወግዒ ከፍልጥ እዚ ናይ ሚኒስተር ዑስማን መግለጺ ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

 

እቲ መንግስቲ፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ኵናት ኣንጻር ሑቲ ኣብ የመን ከምዝድግፍን ምስ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ከምዝተሓባበርን እኳ እንተፍለጠ፣ ኣብ ኵናት የመን ዘለዎ ኣበርክቶ ግና ብወግዒ ኣይተሓበረን።

ይኹን’ምበር ምንጭታት ዜና ካብ የመን ክጠቕሰኦ ከምዝጸንሓ፣ ኤርትራ ንኣማኢት ወትሃደራኢት ናይቲ ብሃገራት ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን ኣሰልጢና’ያ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ብዘንበሮ እገዳ፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከካይድ ኣይፈቅድን’ዩ።

ብሰንኪ’ዚ ድማ እቲ መንግስቲ ኣብቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተወደበ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ስልጠና ከምዘይተሳተፈ’ውን ይፍለጥ።

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ስልጠና ናይተን ኣብ ትሕቲ ኪዳን ስዑዲ ዓረብ ዝተጠርነፋ ሃገራት፣ ኣባላት’ቲ ኪዳን ካብ ዝኾና ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራን ሶማልን ጥራይ’የን ዘይተሳተፋ።

ኤርትራ ብሰንኪ እዚ ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ፣ ርኡይ ወትሃደራዊ ምንቕስቓስ ክትገብር እኳ እንተዘይክኣለት፣ ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ግና ብስዉር መንገዲ ክትተሓባበር ምጽንሓ ብተደጋጋሚ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ሚኒስተር ዑስማን ምስሮይተርስ ኣብ ዘካየደ ቃል መጠይቕ ከኣ እቲ ምትሕግጋዝ ብመንገዲ ወደብ ዓሰብ ኣብ ሎጂስቲካዊ መሳለጥያታት ጥራይ ምዃኑ ጠቒሱ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0