ኤርትራ፣ ንወፍሪ ምስ ዘይምችኣ ቀዳሞት ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ተረቁሓ

ኤርትራ፣ ንወፍሪ ምስ ዘይምችኣ ቀዳሞት ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ተረቁሓ

Radio Erena: 20 April 2018

massawa

ኤርትራ፣ ንወፍሪ ምስ ዘይምችኣ ቀዳሞት ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምእትስራዕ ሓድሽ መጽናዕቲ ገሊጹ።

ኳንተም ግሎባዊ ትካል መጽናዕቲ ኣብ ዘዳለዎ መሐበሪ ወፍሪ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ 2018፣ ንወፍሪ ዘይትምችእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኢሉ ኣብ ቅድሚት ዘቐመጣ ሃገር ሪፖብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ክትከውን እንከላ፣ ላይበርያ፣ ሶማል፣ ኤርትራን ኢኳቶርያል ጊኒን ከኣ ብቐደም ተኸተል ይስዕብኣ።

በንጻር እዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት፣ ዝልዓለ ናይ ወፍሪ ምንቅስቓስ ዝተራእየለን ቀዳማት ሓሙሽተ ሃገራት፣ ሞሮኮ፣ ግብጺ፣ ኣልጀርያ፣ ቦትስዋናን ኣይቮሪኮስትን’የን።

ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብወፍሪ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ዘላ ሞሮኮ 2.6 ቢልዮን ዶላር ናይ ወጻኢ ወፍሪ ክካየደላ እንከሎ፣ ናይተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ሃገራት ብድምር 12.8 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ።

መብዛሕቱ እቲ ዝተኻየደ ወፍርታት ኣብ ቱሪዝም፣ ህንጻዊ ስርሓት፣ ጸዓት ዘተኮረ ምንባሩ እቲ መጽናዕቲ ኣገንዚቡ።

ንቑጠባ ምስ ዘይምችኣ ሃገራት ኣብ ራብዓይ ተሰሪዓ ዘላ ኤርትራ፣ ብባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ኣብ ዝዳሎ ተመሳሳሊ መጽናዕታት ምስተን ዝተሓታ ከምእትስራዕ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ፣ ግዙፍ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ዝካየደሉ እንኮ ጽላት ዕደና’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ መንግስቲ ኤርትራ ንወጻኢታትን ኣታዊታትን ናይቲ ናይ ዕደና ወፍሪ ብዘይግሉጽነት ከምዘመሓድሮ’ዩ ዝውቀስ።

ዘቤታዊ ይኹን ናይ ወጻኢ ወፍርታት ዘተባብዕ ፖሊሲ ከምዘይብሉ ዝግለጽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣይኮነን ዶ ሓደስቲ ኣውፈርቲ ክስሕብ፣ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝተበጋገሱ ኣውፈርቲ’ውን ናብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ፋሕ ከምዝብሉ ጌርዎም ይርከብ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0