ኤርትራ፣ ንሰሜን ኮርያ ጥራይ በሊጻ፣ ዝተሓተ ናጽነት ፕረስ ዘለዋ ሃገር ተባሂላ

Radio Erena: 26 April 2017

RSF Index

ኤርትራ፣ ካብ 180 ሃገራት ዝተሓተ ናጽነት ፕረስ ዘለዋ ካልኣይቲ ሃገር ተባሂላ።

ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ብ26 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ 2017 ሓድሽ ኩነታት ሜድያ ሃገራት፣ ዝበኣሰ ኩነታት ናጽነት ፕረስ ካብ ዘለወን ሃገራት ፣ ኤርትራ ንሰሜን ኮርያ ጥራይ በሊጻ’ያ ካልኣይቲ ዝተሓተ ናጽነት ፕረስ ዘለዋ ሃገር ኮይና ኣላ።

ኤርትራ፣ ነዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ዝኸፍአ ናጽነት ፕረስ ዘለዋ ሃገራት ተባሂላ ኣብ ቅድሚት’ያ ተሰሪዓ ጸኒሓ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግና፣ ሰሜን ኮርያ ምስ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት፣ ዜጋታታ እኹል ሓበሬታ ከይረኽቡ ብጽኑዕ ዓጽያቶም ብምህላዋ’ያ፣ ናይ መወዳእታ መስርዕ ካብ ኤርትራ ተረኪባ ዘላ።

ንሓይሎ ጋዜጠኛታት ንልዕሊ 15 ዓመታት ደሃዮም ኣጥፊኡ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብታ ዘመሓድራ ሃገር፣ ባዕሉ ዝውንነን ሓንቲ ጋዜጣ፣ ሓንቲ መደበር ቴሌቪዥንን ሬድዮን እንተዘይኮይኑ ናይ ብሕቲ ሜዳ ጠቕሊሉ ከምዘይህሉ ጌሩዎ’ዩ።

እቲ መንግስቲ ኣብ ኢንተርነትን ቴሌፎንን ብዝገብሮ ጽኑዕ ምቁጽጻር’ውን ዜጋታት ኤርትራ ዝመረጽዎ ሓበሬታ ኣብ ዝመረጽዎ ግዜን ቦታን ክቕበሉ ይኹን ከመሓላልፉ ኣይክእሉን’ዮም።

ብሰንኪ’ዚ ኣብ ሜድያን ሓሳብካ ምግላጽን ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊስ ድማ፣ ኤርትራ ነዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ካብ 180 ሃገራት ኣብ ምወዳእታ’ያ ክትስራዕ ጸኒሓ።

ሎሚ ዓመት ከኣ እቲ ቦትኣ ንሰሜን ኮርያ ኣረኪባ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 179 ተሰሪዓ ኣላ።

ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፣ ኣሰር ሰሜን ኮርያን ኤርትራን ስዒባ ሳልሰይተን ዝኾነ ሃገር ቱርኪሚኒስታን ክትከውን እንከላ፣ ዝበለጸ ናጽነት ፕረስ ዘለወን ቀዳሞት ስለስተ ሃገራት ከኣ ነርወይ፣ ሽወደንን ፊንላንድ’የን።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0