ኤርትራ፣ ንመጀመርያ እዋና ኣብ ዋዕላ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ተሳቲፋ

Radio Erena: 22 April 2019

ኤርትራ፣ ኣብቲ ካብ 21 ክሳብ 22 ሚያዝያ፣ ኣብ ሪያድ ዝተኻየደ ዋዕላ ሸሞንተ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተሳቲፋ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ እትውንን ኤርትራ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣብ ዋዕላ እዚ ዞባ ክትረከብ እዚ ናይ መጀመርያ እዩ።

ኣቐዲሙ ኣብ ግብጺን ስዑዲ ዓረን ኣብ ዝተኻየደ፣ ኣብ ጸጥታን ምትሕብባርን ቀይሕ ባሕሪ ዘተኮረ ተመሳሳሊ ዋዕላታት ከምዘይተሳተፈት ይፍለጥ።

ኤርትራ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ዋዕላታት ዝተገለለትሉ ይኹን ሕጂ ክትሳተፍ ዝተዓደመትሉ ምኽንያት ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

ኣብዚ ናይ ሪያድ ዋዕላ፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ሶማልያ፣ የመን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ግብጺ፣ ዮርዳኖስን ተረኺበን።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ንኤርትራ ብምውካል ኣማኻሪ ፕርዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓገስ ገብርህይወትን ተሳቲፎም።

ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን እትርከብ፣ ኣብዚ ናይ ሪያድ ዋዕላ ዘይተሳተፈት እንኮ ሃገር እስራኤል ጥራይ’ያ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0