ኤርትራ፣ ተታሒዞም ዝጸንሑ 37 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ተፋንዮም

ኤርትራ፣ ተታሒዞም ዝጸንሑ 37 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ተፋንዮም

Radio Erena: 12 June 2018

Yemeni fishermen2

ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ 37 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ተፋንዮም።

እቶም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ እናገፈፉ ከምዝተታሕዙ ዝተገልጹ የመናውያን ትማሊ 11 ሰነ ናብ ዓዶም ከምዝኣተዉ ዝሓበረ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ የመን ፋሃድ ካፋን፣ ገና ኣስታት 110 ተሪፎም ምህላዎም ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር፣ ነቶም ዝተረፉ ንምፍታሕ መንግስቲ የመን ጻዕርታቱ ክቕጽል ምዃኑ ጠቒሱ።

ኤርትራን የመንን ብዋንነት ደሴታት ዝቑር ሓኒሽ ዘካየድኦ ኵናት፣ ብሕጋዊ መንገዲ መዕለቢ ከምዝተገብረሉ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ብጉዳይ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዘይምርድዳእ ከምዘሎ’ዩ ይፍለጥ።

የመናውያን ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብቲ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዝተፈቐደሎም ክሊ ማይ እናገፈፉ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብቐጻሊ ይተሓዙ ከምዘለዉ መንግስቲ የመን ክገልጽ እንከሎ፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግና መብርሂ’ውን ተዋሂብሉ ኣይፈልጥን።

ይኹን’ምበር፣ እቶም የመናውያን ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ድሕሪ ምእታዎም ከምዝተታሕዙ ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ከምዝተዋህቦ መንግስቲ የመን የመልክት።

መብዛሕቶም እቶም ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝተሓዙ ዘለዉ የመናውያን ገፍፈቲ ዓሳ፣ ሑቲ ካብ ዝቆጻጸረን ናብ ኤርትራ ቅርበት ዘለወን ወደባት ሑደይዳን ኣል ሙካን ዝብገሱ’ዮም።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0