ኤርትራ፣ ብጽጸያ ሓበሬታ ቀዳመይቲ ኮይና

Radio Erena: 10 September 2019

ኤርትራ፣ ብጽጸያ ሓበሬታ ወይ ሳንሱርሺፕ፣ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ምዃና፣ ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል፣ ብ10 መስከረም ኣብ ዝዘርግሖ፣ ዝርዝር ናይተን 10 ብጽጸያ ሓበሬታ ዝተፈልጣ ሃገራት፣ ንኤርትራ ኣብ ቅድሚት ክሰርዓ እንከሎ፣ ንሰሜን ኮርያን ቱርኪመኒስታንን ድማ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃታት ሰሪዑወን።

ስዑዲ ዓረብ፣ ቻይና፣ ቬትናም፣ ኢራን፣ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቤላሩስን ኩባን ድማ ብቅደም ተኸተል፣ ካብ ራብዓይ ክሳብ ዓስራይ ተር ኢለን ኣለዋ።

እዘን ሃገራት፣ ዜጋታትን ዝመረጽዎ ሓበሬታ ብናጻ ከሕልፉ ይኹን ክቕበሉ ዘይፈቕዳ ኣብ ርእሲ ምዃነን፣ ነቲ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓልፍ ሓበሬታ’ውን ብጽኑዕ ጽጸያ ዝቖጻጸራ’ያ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይካ’ተን ብመንግስቲ ዝውነና ሬድዮ ቴሌቪዥንን ጋዜጣን፣ ካብታ ሃገር ዝዝርጋሕ ይኹን ዝፍኖ ናጻ ናይ ብሕቲ ሜድያ የለን።

ካብ 18መስከረም 2001 ኣትሒዙ፣ ንናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፣ “ንግዝኡ” ብዝብል ምስምስ ዝዓጸወን መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኣዳለውተን’ውን ካብቲ እዋን ኣትሒዙ፣ ን18 ዓመታት ኣሲሩ ደሃዮም ኣጥፊእዎም ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ሓበሬታ ክረኽበሉ ዝኽእል እንኮ መንገዲ፣ ብሳትላይት ዲሽ ዝፍኖ ዘሎ ናይ ናይ ኤርትራውያን ናይ ከባቢናን መደባርት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ጥራይ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0