ኤርትራ፣ ብጻውዒት ክተት ኣብ ትግራይ ናብ ዝተኻየደ ኵናት ወፊሮም ዝጸንሑ ኣባላት ዕቝር ሰራዊት ይፋነዉ ኣለዉ

Radio Erena: 08 February 2023

ብጻውዒት ክተት፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ዝተኻየደ ኵናት ወፊሮም ዝጸንሑ ኣባላት ዕቝር ሰራዊት ይፋነዉ ምህላዎም ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ብምኽንያት ጥዕና፣ ጸገም መነባብሮን ዕድመን፣ ካብ ምዱብ ኣሃዱታቶም ብግዝያውነት ተፋንዮም ዝጸንሑ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት፣ ካብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣትሒዞም’ዮም ብጻውዒት ክተትን ግፋን ናብ ኵናት ወፊሮም።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ኣብ 02 ሕዳር፣ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ናብ ትግባረ ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ ክስሓብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ትግራይ ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትር፣ ኣብ ገለ ከባቢታት ናይ ቦታ ምልውዋጥ ኣብ ገሊኡ ድማ ብሓደስቲ ይትካእ ምህላዉ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን ድማ’ዩ፣ ኣባላት ዕቝር ሰራዊት ይፋነዉ ምህላዎም ተሓቢሩ።

መብዛሕቶም እቶም ዝፋነዉ ዘለዎ ኣባላት ዕቝር ሰራዊት፣ ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ርኡይ ናይ ጥዕናን መነባብሮን ጸገም ዘለዎም ምዃኖም’ዩ ዘመልክት እቲ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0