ኤርትራ፣ ብኸቢድ ተሃስዩ ዘሎ ቁጠባ ንምብርባር፣ ክትነጽጎ ዝጸንሐት ዓንቀጽ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ንምቕባል ተሰማሚዓ

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF)፣ ብኸቢድ ተሃስዩ ዘሎ ቁጠባ ኤርትራ ንምብርባር ምስ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝዘተየ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል ብ23 ሓምለ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኤርትራ ናብቲ ብዓንቐጽ ኣርባዕተ (Article IV Consultation) ዝፍለጥ ናይ ዘተ መስርሕ ክትምለስ ምውሳና ኣመስጊኑ።

IMF፣ ነዚ መግለጺ ዝዘርግሐ፣ ቦርድ ፈጸሚ ኣካል ናይቲ ትካል ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምዝርራቦም’ዮም

ብመሰረት ዓንቐጽ ኣርባዕተ ናይ ዘተ መስርሕ፣ ዓመታዊ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ክካየድ፣ ወከልቲ IMF ናብ ኤርትራ ክበጽሑ፣ ብዛዕባ ቁጠባ ኤርትራ እኹል ሓበሬታ ክእክቡ ክፍቀደሎም፣ ካብ ዝምልከቶም ሰብ ስልጣን መንግስቲ መብርሂ ክወሃቦም፣ ዝኣከብዎ ሓበሬታ ድማ ብመልክዕ ጸብጻብ ተዳልዩ፣ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት IMF ናብ ዘተ ክወርድ ዝብል’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ፣ ነዚ ዓንቐጽ እዚ ንሓያሎ ዓመታት ክነጽጎ ብምጽንሑ፣ ምስ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ዝነበሮ ዝምድና ዝሕቱል’ዩ ኔሩ።

ጽላት ቁጠባ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ተነደጋጋሚ ግጭታት ኣህጉራዊ እገዳን ብኸቢድ ከምዝተሃስየ ዘዘኻኸረ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ጽላታት ጥዕናን ትምህርትን ግና ብተዛማዲ ዝሓሸ ምዃኑ ኣስምርሉ።

ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ሕርሻን ዕደናን ጥራይ ዝረመርኮሰ ብምዃኑ፣ ሓደገኛ ጽልዋታት ከምዘለዎ’ውን ኣጠንቒቑ።

ዘይብቁዕ ምሕደራ ፊናንስን ባንክታትን፣ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ፣ ምቁጽጻር ባጤራ፣ ዝቕባበን ካልእን ተደማሚሩ ንቁጠባ ኤርትራ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ከምዘውረዶ ኣብ መግለጺ IMF ሰፊሩ ኣሎ።

ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብተን ኣብ ቅድሚት ዝስራዓ ድኻታት ሃገራት ዓለም ምዃና ጸብጻባት IMFንባንክ ዓለም የመልክት።

ባንክ ዓለም’ውን ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብኸቢድ ተሃስዩ ዘሎ ቁጠባ ኤርትራ ንምብርባር፣ ህጹጽ ስጉምታት ከምዘድሊ ጠቒሱ’ዩ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0