ኤርትራ፣ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተመስረታ ሓሙሽተ ኣብያተ ሕክምና ተዓጽየን

ኤርትራ፣ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተመስረታ ሓሙሽተ ኣብያተ ሕክምና ተዓጽየን

Radio Erena: 31 January 2018

Engela clinic

መንግስቲ ኤርትራ፣ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝተመስረታ ብውሕዱ ሓሙሽተ ኣብያተ ሕክምና ዓጽዩ።

እቲ መንግስቲ ነዘን ኣብ ዞባታት ደቡብን ዓንሰባን ዝነበራ ሓሙሽተ ክሊኒካት ዝዓጸወሉ ምኽንያት፣ ኣገልግሎታት ትምህርትን ሕክምናን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ክመሓደር ኣለዎ ብዝብል ውሳኔ ምዃኑ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ገሊጾም።

ምዕጻው እዘን ኣብ ገጠራት ንዝርከብ ህዝቢ ኣዕጋቢ ኣገልግሎታት ሕክምና ክህባ ዝጸንሓ ክሊኒካት፣ ምስ ምዕጻው እተን ብሃይማኖታውያን ትካላት ክመሓደራ ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተሓሓዝ ‘ውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

ሓንቲ ካብተን ናብ መንግስቲ ክትሰጋገር ዝተወሰነላ እሞ ብሰንኪ ተቓውሞ ተማሃሮኣ ክትቕጽል ዝኸኣለት ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ ኮይና፣ ድሕሪ’ቲ ተማሃሮኣ ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ መሻይኽ፣ ወለዲ፣ መማህራንን ተማሃሮን ንዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሚእቲ ዝግመቱ ኣመንቲ ምስልምና ድሕሪ ምእሳሮም ክሳብ ኣዚ እዋን’ዚ ሃለዋቶም ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ብዘይካ እተን ብትካላት ሃይማኖት ዝመሓደራ ኣብያተ ትምህርትን ሕክምናን ምዕጻው፣ ብደረጃ ሃገር ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝግመታ ናይ ብሕቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎታት ከምዝዓሸገ ይፍለጥ።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0