ኤርትራ፣ ብእምነቶም ዝተኣሰሩ ወዲ 80 ዓመት ኣቦ ክፍትሑ ኣመሪካ ጸዊዓ

Radio Erena: 11 November 2022

ኣብ ኤርትር፣ ካብ 2011 ኣትሒዙ፣ ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ፣ ኣቶ ተስፋጽዮን ገብረሚካኤል ዝተባህሉ ወዲ 80 ዓመት ኣቦ ክፍትሑ ኣመሪካ ጻውዒት ኣቕሪባ።

ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝቖመ ኮሚሽም ንናጽነት ሃይማኖታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቶም ኣማኒ መሰኻክር ጆሆቫ ዝኾኑ ኣቦ፣ ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰረ ናይ ጥዕና ብድሆታት ክህልዎም ከምዝኽእል ኣስሚርሉ።

በዓልቲ ቤቶም፣ ወይዘሮ ለምለም፣ ን11 ዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ በዓል ቤተን ዘለዉዎ ኩነታትን ጥዕናን ከምዘሻቕለን፣ ንመርበብ ሓበሬታ መሰኻኽር ጂሆቫ ገሊጸን።

ካብ እዋን ናጽነት ኤርትራ ኣትሒዙ፡ በብእዋኑ ካብ ዝተኣስሩ መሰኻኽር ጂሆቫ፣ ካብ ታሕሳስ 2020 ክሳብ ለካቲት 2021 ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ፣ 32 ካብኣቶም ብዋሕስ ከምዝተፈትሑ ይዝከር።

እንተኾነ ኣስታት 20 ዝኾኑ ካልኦት ‘ውን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ።

ኣብ ኤርትራ ምስ እምነት ብዝተሓሓዝ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ዝርከቦም ኣሽሓት ዜጋታት፣ በብእዋኑ ከምዝተኣስሩ ጸብጻባት ተጣበቕቲ መሰል ደቂሰብ ይሕብር።

ሓያሎ ካብኣቶም ንነዊሕ ዓመታት ዝተኣስሩ ኮይኖም፣ ኣብ ማእሰርቲ ህወይቶም ዝሓለፈን ዝሰንከሉን’ውን ይርከብዎም።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0